ናይ ፍቓድ ዓይነታት
ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ዚሰርሕ ወይ ኣብዚ ንልዕሊ 3 ወርሒ ዚጸንሕ ዝዀነ ይኹን ሰብ ፍቓድ የድልዮ እዩ ። እዚ ድማ ብኽፍሊ ስደተኛታት (Abteilung Migration) እዩ ዚወጽእ ። ዳርጋ ንዅሉ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ብዛዕባ ምጽናሕ ዚለዓል ሕቶታት እቲ መንበሪ ማሕበረሰብ ናይ መጀመርታ እዩ ። ናይ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ኣመልኪቱ ናብ ኣገልግሎት ስደተኛታት ይልእኽ ። ድሕሪኡ እቲ ዳሕረዋይ ነቲ መመልከቲ ይውስኖ ። ኣብ መንጎ ናይ ሓጺር እዋን ናይ መንበሪ ፍቓድ (ክሳዕ 1 ዓመት) ናይ መንበሪ ፍቓድ (ከከም ዜግነት 1 ዓመት ወይ 5 ዓመት ጥራይ) ናይ መንበሪ ፍቓድ (ዘይተወሰነ) ከምኡውን ኣብ ዶብ ሰገር ናይ ምጕዓዝ ፍቓድ ፍልልይ ኣሎ።
- ናይ ሓጺር ግዜ መንበሪ ፍቓድ (L):እዚ ፍቓድዚ ንሓጺር ዝተወሰነ ግዜ ( መብዛሕትኡ 1 ዓመት) ንሓደ ፍሉይ መደብ ኣብ ስዊስ ዝጸንሑ ዝወሃብ ኢዩ። መብዛሕትኦም ዜጋታት EU-/EFTA-ሃገራት: ብስራሕ ምኽንያት ንሰልስተ ክሳብ ሓደ ዓመት ( ናይ ስራሕ ውዕል) ዘቕርቡ ዝወሃብ ፍቓድ ኢዩ።
- ግዝያዊ ፍቓድ (B): እዚ ፍቓድዚ ንዝተውሰነ ግን ነዊሕ ግዜ ዝወሃብ ፍቓድ ኢዩ። መብዛሕትኦም ዜጋታት EU/EFTA- ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ክጸንሑ ከምዝኾኑ እንተኣረጋጊጾምን: (ናይ ስራሕ ውዕል) እንተኣቕሪቦም : እዚ ዓይነት ፍቓድ ክወሃቡ መሰል ኣለዎም። እዚ ዓይነት ፍቓድ: ንዜጋታት EU/EFTA-ንሓሙሽተ ዓመት ይወብ። ንካልኦት ግን ንሓደ ዓመት ጥራይ ይወሃብ። ድሕሪዚ ግን መናውሒ ግዜ ፍቓድ ይሕተት።እዚ ናይ ምንዋሕ ሕቶ ቅድመ-ኩት ዘማልአ ክኸውን ኣለዎ ንኣብነት:
- ናይ ጀርመን ቛንቛ ትምህርታ ስልጠና ንምብጻሕ።ነዚ ንምንዋሕ ረቛሒታት ስለዘየልኡ ኣይፍቀምን እዩ። ናይ መንበሪ ፍቓድ ንከይንዋሕ ዝዕንቅፉ ምኽንያታት: ዕዳ ወይ መቕጻዕቲ ገበን ምስዝህልወካ ወይ ካብ ማሕበራዊ ሓገዝ ተጠቃማይ እንተኮንካ። ብወግዒ ተፈጥነት ዘለዎም ስደተኛታት B መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦም።
- ናይ ስዊዝ መንበሪ ወረቐት/መዕረፊ (መስፈሪ)ፍቓድ ሲ(C) Niederlassungsbewilligung C (Ausweis C)፡ እዚ ፍቓድ እዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ን 5 ወይ 10 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ (ምንባር) እዩ ዝወሃብ። ኣብዚ እውን ን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ/ኤፍታ ( EU/EFTA) ን ካብ ሳልሳይ ዓለም ዝመጹ ሰባት ዝተፈላለየ ቅድመ ኩነት ይሕተት እዩ።
- ንግዚያዊ ተቐባልነት ዝምልከት መንበሪ ፍቓድ(F): እዚ መንበሪ ፍቓድ ዝወሃቦም ሓተትቲ ዕቕባ ስደተኛታት: ከም ስደተኛታት ብወግዒ ተፈላጥነት ዘይረኸቡ ኮይኖም: ንግዚኡ ክሳብ ኩነታት ከምቲ ዝጠልብዎ ዝኸውን ዕቕባ ዝወሃቡ እዩ። እዚ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ክሕደስ ኣለ።