ዕዳ

ኣብ ዝተወስነሉ ግዜ: ዝግባእ ክፍሊት ዘይከፍል ሰብ: ናይዚ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ። ሕጽረት ገንዘብ ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ ንዕዳ ዝምልከት ናይ ምኽሪ ትካላት ብምውካስ ምፍትሒ ክርከብ ይከኣል።

መጠንቀቕታን ዕዳን

ኣብ እዋኑ ክፍሊት ምስዘይትኸፍል: ቀዳማይን ካልኣይን መጠንቀቕታ (Mahnung) ይመጽኣካ።እቶም እኽፈልቲ ነዚ ምስዘይክበር: ናብ ናይ ዕዳ መዝገብ (Betreibung) ነቲ ዕዳ ክልእክዎ ይኽእሉ። ኣብዚ ኩነት ዚ: እቲ ዕዳ ዘለዎ ሰብ ካብ ሰብ መዚ ምቁጽጻር ዕዳ (Betreibungsamt) ክፈል ዝብል ናይ ዕዳ ወረቐት ይመጽኦ። ምስዚ ከኣ ናይ ምሕደራን: ወለድን ክፍሊት ተወሳኺ ኮይኖም ይመጽኡ። ነዚ ናይ ሰብ መዚ ናይ ዕዳ ምኽፋል መጸዋዕቲ ዘይስምዕ: ንመሰላት ዝምልከት መቕጻዕቲ (Rechtsvorschlag) ብዝምልከቶም ኣካላት ሰበስልጣን ምኽፋል ዕዳ ይግደድ። መጠንቀቕታ: እዚ ጉዳይ ኣብ ደሞዝን ኣብ ንብረትን ምህጋር/ ምውሳድ ከምርሕ ይኽእል። ብተወሳኺ እዚ ዕዳ ኣብ ናይ ዕዳ መዝገብ (Betreibungsregister) ይምልከት: ይምዝገብ (ዋላውን ኣብ መጨረሽታ እቲ ዕዳ ተኸፊሉ እንተኮነ)። እዚ ገዛ ክራይ ኣብ ትደልየሉ እዋን ዓቢ ዕንቅፋት ይከውን።

ዕዳ

ቍጠባዊ ጸገም ወይ ዕዳ እንተ ኣልዩካ ምስ ማእከል ምኽሪ ዕዳ (Schuldenberatungsstelle) ኽትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ኸኣ ደገፍ ትረክብ። ክኢላታት ነቲ ዅነታት ምስቶም ምኽሪ ዚደልዩ ንምምርማር ፍታሕ የናድዩ እዮም። ካሪታስ እትበሃል ማሕበር ብተሌፎን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ስማ ዘይተገልጸ ምኽሪ ትህብ - "ኤስኦኤስ ዕዳታት " ዝብል ምኽሪ እትህብ ተሌፎን 0800 708 708 (ብናጻ)። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ናብ ካልእ ቦታ ኽትግዕዝ ኢኻ። ካብቲ Glarnerland ብዛዕባ ዕዳ ዝሃቦ ምኽሪ ብኢንተርነትን ጠቓሚ ሓበሬታን ኣቢልካ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።