ማሕበራዊ ሓገዝ

ማሕበራዊ ሓገዝ ንመነባበሪ ዝኸውን ውሑድ ገንዘብ ዘሎዎም ሰባት: ወይ ፈጺሞም ካብ ማሕበራዊ ድሕነት ፈጺሞም ገንዘባዊ ሓገዝ ዘይብሎም ወይ ውሑድ ዝረኽቡ ይሕግዝ። እቲ ዕላማ ስባት መሊሶም ባዕሎም ክሰርሑን ነብሶም ንክእልዩን ኢዩ። እዚ ንሓደ ድሕነት/ውሕስነት ዝምልከት ኣይኮነን: እንታይ ደኣ ሓገዝ ብመንግስቲ ዝወሃብ ኢዩ።

ማሕበራዊ ሓገዝ

ማሕበራዊ ሓገዝ (Sozialhilfe) ኣብ ስዊስ ንሕገዝ ዘድልዮም ሰባት ይሕግዝ። እዚ ነቲ መሰረታዊ ዝተሓተ ናይ መነባብሮ ወጻኢታት ይሽፍን። ኣብ ርእሲዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ምኽሪ ውን ይወሃብ። እቲ ዕላማ ሰባት ብዝተኻእለ መተን ብዝቐልጠፈ ነብሶም ንክኽእሉ ካብ ተጸባይነት ብቁጠባ ነጻ ንክኾኑ ኢዩ። እዚ ናይ ማሕበራዊ ትካል ንእኹል ሓገዛት ካብ ካልእ ወገን ዝረኽቡ ሰባት: ንእብነት ጥሮታ ዝወስዱ: ካብ ዘመድ ሓገዝ ዝረኽቡ ኣይሕግዝን ኢዩ። ካልእ ኣብነት ንናይ ካብ ማዕከን ውሕስነት ናይ ስራሕ-ኣልቦ ገንዘብ/ Arbeitslosengeld/ ዝወስዱ ሰባት ኣይሕግዝን ኢዩ። እዚ ዕዳ ውን ኣይከፍልን ኢዩ: እዚ ዝወሃቦ ሓገዝ ከኣ ሰብ እኹል ገንዘብ: ምዝህልዎ ይመልሶ። እዚ ናይ ማሕበራዊ ሓገዝ ትካል ብከፈልቲ ግብሪ ይምወል።

ማሕበራዊ ሓገዝ ምሕታት

ማሕበራዊ ሓገዝ ንምርካብ ከተመልክት እንተ ደሊኻ በጃኻ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት (Soziale Dienste) ናይቲ ካንቶን ተራኸብ። ኣብኡ ኸኣ ኣታዊኻን ሃብትኻን ክትነግረካ ኣሎካ። ድሕሪኡ እቲ ሕቶ ይምርመር። እቶም ሰበ - ስልጣን መጠንን ዓይነትን ደገፍ ብደረጃ ውልቀ - ሰብ ይውስኑ እዮም። ሓቅነት ዘይብሉ ዘረባ እተዛረበ ወይ ገለ ነገር ዝሓብአ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ይኽእል ኢዩ። ማሕበራዊ ኣገልግሎት መምርሒ ኺህብን ኵነታት ኬገድድን ይኽእል እዩ። ነዚ ብቕዓታት እዚ እንተ ዘየማልእካዮ ረብሓታትካ ኺንኪ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ምኽሪ ምክፋል ግዴታ ኣለዎ። ሓደ ሰብ ነቲ ህጹጽ ኵነታት ንምንካይ ዝከኣሎ ዅሉ ኽገብር ግዴታ ኣለዎ።