ናይ ዕረፍቲ ግዜ/ነጻ ግዜ

ኣብ ካንቶን Glarus: ነጻ ግዜኻ ተሕልፈሎም ብዙሓት ሰሕባቲ ተኽእሎታት መዘናግዒ ኣለዉ። ኣብዚ ማሕበራት ፍሉይ ግደ ኣለወን። እዚአን ምስ ብዙሓት ካልኦት ሰባት ንክትላለ ይሕግሑ።

ማሕበራት

ብዙሓት ተቕመጥቲ/ነበርቲ ካንቶን Glarus: ኣባላት ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበራት (Verein) እዮም። ንዝተፈላለዩ ድልየታት ዝዓለሙ ማሕበራት ኣለዉ። ኣብ ንኣሽቱ ምምሕዳር ከባቢታት ከይተረፈ: ናይ ስፖርት: ናይ ባህሊን ካልእን ማሕበራት ኣለዋ። እዚእተን ሓደ ጭቡጥ ኣመት ምስ ካልኦት ሰባት ንምርኻብ የሰጉማ። መብዛሕተአን ማሕበራት ንኩሎም ሰባት ክፉታት እየን።ነዘን ማሕበራት ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ኣድራሻ ናይዘን ማሕበራት ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ይርከብ።

ኣቕርቦት ንመንእሰያት

ኣብ ካንቶን Glarus: ንመንእሰያት ብዙሓት ፍሉያት ምስ ክውንነቶም ዝኸዱ ቀረባት: ነጻ ግዜኦም ዘሕልፍሉን: ነባሪ ሌላ ዝምስርትሉን ኣለዉ። ኣብ ብዙሓት ምምሕዳር ከባቢታት መራኸቢ ማእከላትን ነጻ ግዜ ተሕልፈሎም ቀረባትን ኣለዉ። ኣብዚ መንእሰያት ሓሳባቶምን ፈጠራዊነቶምን ንከርእዩ: ፕሮጀክትታት ንክገብሩ ይተባብዑ (Jugendarbeit)። እዞም ቀረባት ከም ሕጊብነጻ ይወሃቡ። Mኣሕበር መንእሰያት: ብሓባር ብማዕረ ንጥፈታት ንምክያድ: ኣብ ተፈጥሮ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንምክያድ ይሕግዝ። ነዞም ቀረባት ዝህቡን ሓላፍነት ዝስከሙን: ማሕበራት: ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢን ቤተክርስትያናት እዮም። እዞም ቀረባት ንኩሎም መንእሰያት ክፉታት እዮም። ምብርሂ ካብ ቤት ጽሕፈት እትነብርሉ ምምሕዳር ከባቢ ይርከብ።

ዙረትን ባህልን

ካንቶን ግላሩስ (Glarus) ሃብታም ዝኾነ ዑደት ትገብሮሎም ባህላዊ ቀረባት ጌራ ትርከብ። ህቡባት ዝኾኑ ኻብኣቶም ኣብ ጎቦታት ዝርኮቡ ቀላያትን ናይ ግላሩስ (Glarus) ፍርያትን። ናብ ግላሩስ (Glarus) ገጹ ዘወር ዝበለ ሰብ ቀጻሊ በቲ ዉቑብ ዝኾነ ባዓል ግርማ ጎቦታት ይዕጀብ። ብተወሳኺ ዉን፣ ሙቹእ ዝኾነ ብእግሪ ወይ ድማ ብብሽግሌታ ትኸዶሉ መገዲታት ኣሎዋ። ኤልምን (Elm) ብራዉንቫልድን (Braunwald) እተን ፍቱዋት ናይ ዑደት ቦታታት እየን። ኣብዘን ኽልተ ቦታታት ሰብ ቡዙሕ ቶኽእሎታት ኣሎዎ፣ ከም ናይ ነዊሕ ዪኹን ሐጺር ጉዕዞ፣ ክም ኣብ ሐጋይ ዝካየዱ ስፖርት ንጥፈታት ንኽገብር። ቡዛሓት ጥንታዊያን ዝሐዛ ቦታታት ዝትፈላለየ ዓዉድታት ዝሐዘ ምርኢት የቕርባ። እቲ ኣብ ነፈልስ ዝርከብ ሙሰየም ፍሮይለርፓላስት (Freulerpalast) ዝባሃል ብዛአባ ታሪኽ ናይ ግላሩስ (Glarus) ንኽትርዳእ ይሕግዘካ። እቲ ኣብ ኤነንዳ ዝርከብ ሙሰየም ኣና ጎልዲ (Anna Göldi Museum) ዝባሃል መሳጢ ዝኾነ ታሪኽ ናይ ኣና ጎልዲን ኻልእን ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ኩንስትሃኡዉዝ ክም ናይ ካይላ ገዛ (Kunsthaus Glarus) ኣብ ግላሩስ ኣብ ሙሉእ ስዊስ ፍሉጥ ዝኾነ እዩ። ኦፊስ ንቱሪስት ዝምልከት ኣብ ግላርነርላንድ ብዛዕባ ቶኽእሎታት ዑደት ፍጻሜታትን ሓባሬታ ይህብ።ሐበሬታ ብዛዕባ ህሉው ኩነታትን ባህላዊ ፍጻሜታትን ኣብ ከባቢያዊ ጋዜጣታትን ኣብ ግላርነራገንዳን ኽትረኽቦ ዪካኣል እዩ።

ናይ ነጻ ድልየት ስራሕ

ናይ ነጻ ድልየት ስራሓ (Freiwilligenarbeit) ሓደ ትካላዊ ዕዮ ንድሕነት ደቂ-ሰባትን ከባቢን ኮይኑ ደሞዝ ዘይክፈሎ ኢዩ። ብዙሓት ዕዮታት ኣብ ስዊስ ብልምዲ ከም ናይ ነጻ ድልየት ስራሕ ይውሰዱ። እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይዚ ስራሕ/ዕዮ ብማሕበራት ተወዲቡ ይትግበር። በዚ መሰረት ሰባት ኣብ ማሕበራት: ንባህሊ: ስፖርቲ: ማሕበራዊ ርክባት: ስልጠና: ምጥባቕ መሰል እንስሳታትን ምዕቃብ ከባቢን: ጥዕናን ኣብ ካልእ ዝተፈላለዩ ነቲ ሕብረተሰብ ዝጠቕሙ ጉዳያት ኣብ ምፍጻም ይጽመዱ። ሓበሬት ንብነጻ ድልየት ዝስርሑ ነገራት: ምስታፍ ተኽእሎታትን: ትካላት ናይ ነጻ ድልየት ስራሕ ማእከላት ከም በኖቮል/Benevol ይዝርግሑ። ኣብ መብዛሕትኡ ዞባታት ኣብቲ ካንቶን ናይ ወለንታዊ ስራሓት ኣብ ዓውድታት ስደትን ዑቕባን ስደተኛታትን እቶም "träffpunktFRAMI" ዝብሃሉ ጨናፍር ውድባት ንወለንታዊ ስራሕ።

ስፖርቲ / ባህሊ / ስልጠና

ቀጽሪ ግላሩስ ሰፊሕ እኳ እንተዀነ ንስፖርትን ባህልን ትምህርትን ዝኸውን ገነት ኢዩ - ምስ ካልኦት ብሓባር ስፖርታዊ ንጥፈታት ክትገብር እንተድኣ ደሊኻ ኣብታ "ንመንእሰያት ዝኸውን ገንዘብ" ዘርእስታ ምዕራፍ ምስ ክበብ ስፖርተኛታት ምትእስሳር ክትረክብ ኢኻ። ብርእስኻ ኽትግዕዝ እንተ ደሊኻ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዞባ ግላሩስ ማእለያ ዘይብሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኻብ ማእከል ምውስዋስ ኣካላት ኣትሒዙ ኽሳዕ ዮጋ ጲላጦስ ጥቕላል ክሳብ ኣሰር ብሽክለታ ኽሳዕ ሒደት ስማት ጥራይ እዩ ዚርከብ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ንዅሉ እቲ ልብኻ ዚብህጎ ነገራት ማለት ካብቲ ኣብ ቀላይ ዚግበር ስፖርት ኣትሒዝካ ኽሳዕ እቲ ኣብ በረድ ዚድይብ በረድ ክትበጽሖ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዜገርም ከኣ እቲ ባህላዊ መስዋእትታት እተፈላለየ እዩ (www.glarneragenda.ch)።

ብናይ ባህላዊ ሌጊ Kulturlegi-Ausweis / መንነት ወረቐት: ብውሑድ ገንዘብ: ናይ ስፖርቲ:- ናይ ባህሊናይ ስልጠናን ንብረት/ክዳውንቲ ምግዛእ ይከኣል። እዛ ካርድዚኣ ካብ ካሪታስ ሓቲትካ ክትወሃብ ይከእል። ካሪታስ ብዛዕባዚ ሓብሬታ ይህብን መን ነዚ ኩልቱርሌጊ ናይ ምውሃብ መሰል/ግቡእ ከምዘለዎ የረጋግጽ።

ኣብ ትምህርቲ ብዘይካ ዩኒቨርሲቲታት ዳርጋ ዅሉ እቲ ኣብ ካንቶን ዚርከብ ነገራት ኪካፈል ይከኣል እዩ።