ተለቪዥን / ተለፎን / ኢንተርነት

ተለፎን: ኢንተርነት.: መስመር ተለቪዥን ዝህቡ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ኣለዉ። እዚኣቶም ብከፊል ካብ ምምሕዳር ናብ ምምሕዳር ይፈላለዩ። ዳርጋ ኩሎም ነበርቲ ከባቢ ናይ ራዲዮን ተለቪዥንን ክፍሊት (Radio- und Fernsehgebühren) ክኸፍሉ ይግባእ።

ናይ ራዲዮን ተለቪዥንን ክፍሊት

ዝኾነ ሰብ ናይ ራዲዮ ወይ ናይ ተለቪዥን መዳባት ትስሕብ ምስትህልዎ: (ከምኡውን ናይ ኮምፒተር መሳርሒ ምስ ኢንተርነቱ): ናይ ራዲዮን ተለቪዥንን ክፍሊት (Radio- und Fernsehgebühren) ክኸፍል ኣለዎ። ምስዚ ሕጋዊ ክፍሊት: ኩሉ ፕሮግራማት ናይ ህዝባዊ ሕጋዊ መሰላት ናይ ስዊስ ራዲዮን ተለቪዥንን (SRG SSR) ከምኡ ውን ናይ ውልቂ ራዲዮን ተለቪዥንን ሓገዛት ይረኽቡ።ንምእካብ እዚ ክፍሊት ቢላግ/serafe/ ሓላፍነት ይወስድ። ናይ መመላእታ ገንዘብ /Ergänzungsleistungen/ ዝወስዱ ሰባት ካብዚ ክፍሊት ነጻ ኢዮም።

ተለፎን: ኢንተርነት.: መስመር ተለቪዥን

ተለፎን: ኢንተርነት.: መስመር ተለቪዥን: ዝምልከት ኣብ ስዊስ ብዙሓት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣለዉ። ገሊኦም ኣብ ዝተወሰኑ ዞባታት ጥራይ ይነጥፉ። ኣብ ከባቢ ወይ መንበሪ ምምሕዳር ኣቶም እቕረብቲ ይመጽኡ። ዝሕሸ ዋጋ ኣወዳዲርካ ምምራጽ: ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ዋጋታትን ስለዘለዉ: ኣገዳሲ ኢዩ። ናይ ሳተላይት መስመር ክእቱ ዝደሊ: ነቲ እካራዪ ክሓትት: ወይ ንጎረቤት ክውከስ ይግባእ። ናይ ኢንተርነት መስመር ኣብ ውሽጢ ገዛ: ከም ልሙድ ቁልጡፍ ኢዩ። ናይ ኢንተርነት ካፈ: ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ ዘሎ: ምኽንያቱ ኩሉ ገዛውቲ ናይ ኢንተርነት መስመር ስለዘለዎ።