ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽርታት

ናይ ሃንደበት ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪ ኩሉ ግዜ 24 ሰዓታት ክፉት ኢዩ። ሓጺር ቁጽሪ ተለፎን( 3 ቁጽሪ) ኩሉ ግዜ ብነጻ ይድወሎ። ንካልእ ቁጽርታት ከም ሕጊ መሰረት ልሙድ ታሪፍ ክፍሊት ይኸፍል።

ሓፈሻዊ ናይ ህጹጽ ምድዋል: 112

በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ ፖሊስ ማእከል:የራኽብ። ከከም ኩነታት ሓድጋ:ፖሊስ ከኣ ንዝምልከተን ጨናፍር ይሕብር( ንእብነት: ናይ መጥፋእቲ ሓዊ)

ፖሊስ: 117

በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ ፖሊስ ማእከል:የራኽብ።

ምክልኻል ባርዕ ሓዊ: 118

በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ ሰራሕተኛታት ማእከል የራኽብ።

ቀዳማይ ረድኤት / ናይ ረዲኤት ኣገልግሎት: 144

በዚ ቁጽሪዚ: ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ሰራሕተኛታት መእከል የራኽብ። ናይ መደወሊ ቁጽሪ 144 ህጹጽ ሓገዝን ናይ ሕክምና መኪና/ኣምቡላንስ ትጠልበሉ ኮይኑ: እቲ ኩነታት ኣስጋኢን ክትግምቶ ዘጸግምን ምስዝኸውን ኢዩ። ( ንኣብነት: ኣብ ዓቢ ሓደጋ):: ናይ መድሃኒት ሓገዝ ኣብ ዘድልየሉ ግዜ: ናብ ናይ ገዛ ሓኪም ብቅዳምነት ምውካስ የድሊ። ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ : መብዛሕትኦም ሓካይም ናይ ህጹጽ መደወሊ ቁጽሪ ኣለዎም። እዚ ቁጽሪ ኣብ ባዕሉ ዝምልስ ተለፎን /ኣንሰርማሽን/ ወይ ኣብ ናይ ዞባ መጽሔት ሓባሪ ተለፎናት ይርከብ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ናይ ካንቶን ናይ ህጹጽ መደወሊ ቁጽርታት ከባቢ Glarus 0844 44 66 44፣ ከባቢ Glarus Süd 0844 44 66 55፣ ከባቢ Glarus Nord 0844 44 66 33 (ኣስተውዕል: ንሓደ ደቒቕ: 3.23 ፍራንክ ይኽፈሎ) ምውካስ ይከኣል። ኣብዚ ናይ መድሃኒትን ሕክምናዊ ምኽሪን ይረክብ: ብምቕጻል ከኣ ናብ ክኢላታት ይምራሕ( ሓኪም ወይ ሕክምና)። ባዕልኻ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ናይ ህጹጽ ሕክምና ማእከል ክፍትሽ ወይ ክደሊ ይከኣል።

ተረኛ ቤት መሸጣ መድሃኒት: 0800 300 001

ሃንደበታዊ ኵነታት ከጋጥመካ ኸሎ ብናይ ዘቤታዊ-ሕክምናዊ ህጹጽ ጉዳይ ኣገልግሎት መድሃኒታት ይወሃቡ።
ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት Glarus Nord (24h) 0844 33 66 33
ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት Glarus (24h) 0844 44 66 44
ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት Glarus Süd (24h) 0844 55 66 55

ሓኪም ስኒ ህጹጽ ጉዳያት፥ 0848 261 261 ተሌፎን 1811 ወይ 1818

በዚኢ ቁጽሪዚ ሰብ ኣብ ካንቶን Glarus: ኣየናይ ሓኪም ስኒ ኣብ ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን: ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ይፈልጥ።

ምምራዝ: ናይ ህጹጽ መድዋል: 145

ሓደ ሰብ ብመርዚ ምስዝምረዝ: ወይ ዝተበከለ ኮይኑ ምስዝስምዖ: በዚ ቁጽሪዚ ናይ ሓኪም ወይ ክኢላ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል። ነዚ ምምራዝ ወይ ምብካል ዝምልከት እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ይሕብሩን ይሕግዙን። ንሂወት ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ግን ቀልጢፍካ: 144 ምድዋል የድሊ። ኣብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ብዛዕባ ምምራዝ/ምብካል ብዙሕ ሓበሬታ ይርከብ።

ምኽሪ ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ: 143

"ቁጽሪ ተለፎን143" (ዝተቐረበ ኢድ , Dargebotene Hand) ንብዛዕባ ጸገሞም: እንታይነቱ ብዘየገድስ: ምስ ዝኾነ ሰብ ክዘራረቡን ክመያየጡን ዝደልዩ ሰባት (ብጀርመን: ብፈረንሳይ: ብጥልያን) የገልግል። ሰብ ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታትን: ኣብ ግዜ ሻቕሎትን ናብዚ ቁጽሪ ደዊሉ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል። ኢ ኣብዚ ዝግበር ዝርርብ: ብምስጢር ብምትእምማንን: ብዝኾነ ዛዕባን ኢዩ። ከከም ኣድላይነቱ ከኣ ሰብ ንዕኡ ዝሰማማዕ ምኽሪን ሓበሬታን ይወሃቦ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ ወይ ብ SMS ብቻት ክግበር ይከኣል።

ምኽሪ ንቆልዑት / መንእሰያት: 147

ቁጽሪ ተለፎን 147 (Telefon 147) ንቆልዑትን መንእሰያትን: ዝተፈላለየ ዓይነት ጸገማቶም: ምስ ዝምልከቶም ክኢላታት ክዛረብሉ (ብጀርመን: ፈረንሳይ ወይ ጣልያን) ዘኽእል ኢዩ። ኣብ ናይ ኣዝዩ ሽግር ወይ ኣጸጋሚ ኩነታት በዚ ክድወል ይከኣል። በዚ ቁጽሪ ክኢላታት 24 ሰዓታት ክርከቡ ይከኣል። እቲ ዝግበር ዝርርብ ብእምነትን: ብምስጢር ዝተሓዝን ኢዩ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ ወይ ብ SMS ብቻት ክግበር ይከእል።


ናይ ወለዲ ናይ ህጹጽ ምድዋል: 0848 35 45 55

ናይ ወለዲ ህጹጽ መደወሊ ቁጽሪ (Elternnotruf) : ክኢላታት ንወለዲ ወይ ካልኦት ሰባት: ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑት ዝምልከት ሕቶታት ዝምልስሉ ኢዩ። ኣብዚ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ደቆም ካብ መጠን ንላዕሊ ጸቕጢ ወይ ልዕሊ ዓቕሞም ዝእዝዝዎም ዘለዉ ኮይኑ ምስዝስምዖም ወይ ካብ ካልኦት ቆልዑት ዝተሓቱ ምስዝመስልዎም: ንክኢላታት ይውከሱ። ኣብዚ ቁጽሪ ሰብ ገለ ቆልዑት ግዳያት ናይ ስነ-ኣእምሮእዊ ጸቕጢ ወይ ኣካልዊ ጸቕጢ ኮይኖም ዘለዉ ኮይኑ ምስዝስምዖ ክውከስ ይከኣል። እቲ ዝግበር ዝርርብ ብእምነትን: ብምስጢር ዝተሓዝን ኢዩ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ። ንመድሃኒት ዝምልከት ጉዳይ እዚ ቁጽሪ ዝኾነ ሓበሬታ የብሉን።

ዘቤታዊ ዓመጽ፥ 055 646 67 36

እቲ ኣብ Näfels ዝርከብ ናይ ግዳያት ምኽሪ ዝህብ ኣገልግሎት ንዅሎም እቶም ዘቤታዊ ዓመጻ ዘጋጠሞም ሰባት ምኽርን ደገፍን ይህቦም ኢዩ። ኣብ መንጎ እቶም ሕጂ ዘለዉ ወይ እተበታተኑ ሰባት (ኣካላዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጾታዊ ቍጠባዊ ማሕበራዊ) ዓመጽ ኬስግኡ ወይ ኪፍጽሙ ኸለዉ ዘቤታዊ ዓመጻ እዩ ዜጋጥም። ኣዝማድን ክኢላታትን እውን ምስቲ ቤት ጽሕፈት ኪራኸቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዝርርብ ብምስጢርን ብናጻን እዩ ዚግበር። ብኢ-መይል እውን ክንራኸብ ትኽእል ኢና።