ሓፈሻዊ ናይ ህጹጽ ምድዋል: 112
በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ ፖሊስ ማእከል:የራኽብ። ከከም ኩነታት ሓድጋ:ፖሊስ ከኣ ንዝምልከተን ጨናፍር ይሕብር( ንእብነት: ናይ መጥፋእቲ ሓዊ)
ናይ ሃንደበት ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪ ኩሉ ግዜ 24 ሰዓታት ክፉት ኢዩ። ሓጺር ቁጽሪ ተለፎን( 3 ቁጽሪ) ኩሉ ግዜ ብነጻ ይድወሎ። ንካልእ ቁጽርታት ከም ሕጊ መሰረት ልሙድ ታሪፍ ክፍሊት ይኸፍል።
በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ ፖሊስ ማእከል:የራኽብ። ከከም ኩነታት ሓድጋ:ፖሊስ ከኣ ንዝምልከተን ጨናፍር ይሕብር( ንእብነት: ናይ መጥፋእቲ ሓዊ)
በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ ፖሊስ ማእከል:የራኽብ።
በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ ሰራሕተኛታት ማእከል የራኽብ።
በዚ ቁጽሪዚ: ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ሰራሕተኛታት መእከል የራኽብ። ናይ መደወሊ ቁጽሪ 144 ህጹጽ ሓገዝን ናይ ሕክምና መኪና/ኣምቡላንስ ትጠልበሉ ኮይኑ: እቲ ኩነታት ኣስጋኢን ክትግምቶ ዘጸግምን ምስዝኸውን ኢዩ። ( ንኣብነት: ኣብ ዓቢ ሓደጋ):: ናይ መድሃኒት ሓገዝ ኣብ ዘድልየሉ ግዜ: ናብ ናይ ገዛ ሓኪም ብቅዳምነት ምውካስ የድሊ። ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ : መብዛሕትኦም ሓካይም ናይ ህጹጽ መደወሊ ቁጽሪ ኣለዎም። እዚ ቁጽሪ ኣብ ባዕሉ ዝምልስ ተለፎን /ኣንሰርማሽን/ ወይ ኣብ ናይ ዞባ መጽሔት ሓባሪ ተለፎናት ይርከብ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ናይ ካንቶን ናይ ህጹጽ መደወሊ ቁጽርታት ከባቢ Glarus 0844 44 66 44፣ ከባቢ Glarus Süd 0844 44 66 55፣ ከባቢ Glarus Nord 0844 44 66 33 (ኣስተውዕል: ንሓደ ደቒቕ: 3.23 ፍራንክ ይኽፈሎ) ምውካስ ይከኣል። ኣብዚ ናይ መድሃኒትን ሕክምናዊ ምኽሪን ይረክብ: ብምቕጻል ከኣ ናብ ክኢላታት ይምራሕ( ሓኪም ወይ ሕክምና)። ባዕልኻ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ናይ ህጹጽ ሕክምና ማእከል ክፍትሽ ወይ ክደሊ ይከኣል።
ሃንደበታዊ ኵነታት ከጋጥመካ ኸሎ ብናይ ዘቤታዊ-ሕክምናዊ ህጹጽ ጉዳይ ኣገልግሎት መድሃኒታት ይወሃቡ።
ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት Glarus Nord (24h) 0844 33 66 33
ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት Glarus (24h) 0844 44 66 44
ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት Glarus Süd (24h) 0844 55 66 55
በዚኢ ቁጽሪዚ ሰብ ኣብ ካንቶን Glarus: ኣየናይ ሓኪም ስኒ ኣብ ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን: ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ይፈልጥ።
ሓደ ሰብ ብመርዚ ምስዝምረዝ: ወይ ዝተበከለ ኮይኑ ምስዝስምዖ: በዚ ቁጽሪዚ ናይ ሓኪም ወይ ክኢላ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል። ነዚ ምምራዝ ወይ ምብካል ዝምልከት እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ይሕብሩን ይሕግዙን። ንሂወት ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ግን ቀልጢፍካ: 144 ምድዋል የድሊ። ኣብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ብዛዕባ ምምራዝ/ምብካል ብዙሕ ሓበሬታ ይርከብ።
"ቁጽሪ ተለፎን143" (ዝተቐረበ ኢድ , Dargebotene Hand) ንብዛዕባ ጸገሞም: እንታይነቱ ብዘየገድስ: ምስ ዝኾነ ሰብ ክዘራረቡን ክመያየጡን ዝደልዩ ሰባት (ብጀርመን: ብፈረንሳይ: ብጥልያን) የገልግል። ሰብ ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታትን: ኣብ ግዜ ሻቕሎትን ናብዚ ቁጽሪ ደዊሉ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል። ኢ ኣብዚ ዝግበር ዝርርብ: ብምስጢር ብምትእምማንን: ብዝኾነ ዛዕባን ኢዩ። ከከም ኣድላይነቱ ከኣ ሰብ ንዕኡ ዝሰማማዕ ምኽሪን ሓበሬታን ይወሃቦ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ ወይ ብ SMS ብቻት ክግበር ይከኣል።
ቁጽሪ ተለፎን 147 (Telefon 147) ንቆልዑትን መንእሰያትን: ዝተፈላለየ ዓይነት ጸገማቶም: ምስ ዝምልከቶም ክኢላታት ክዛረብሉ (ብጀርመን: ፈረንሳይ ወይ ጣልያን) ዘኽእል ኢዩ። ኣብ ናይ ኣዝዩ ሽግር ወይ ኣጸጋሚ ኩነታት በዚ ክድወል ይከኣል። በዚ ቁጽሪ ክኢላታት 24 ሰዓታት ክርከቡ ይከኣል። እቲ ዝግበር ዝርርብ ብእምነትን: ብምስጢር ዝተሓዝን ኢዩ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ ወይ ብ SMS ብቻት ክግበር ይከእል።
ናይ ወለዲ ህጹጽ መደወሊ ቁጽሪ (Elternnotruf) : ክኢላታት ንወለዲ ወይ ካልኦት ሰባት: ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑት ዝምልከት ሕቶታት ዝምልስሉ ኢዩ። ኣብዚ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ደቆም ካብ መጠን ንላዕሊ ጸቕጢ ወይ ልዕሊ ዓቕሞም ዝእዝዝዎም ዘለዉ ኮይኑ ምስዝስምዖም ወይ ካብ ካልኦት ቆልዑት ዝተሓቱ ምስዝመስልዎም: ንክኢላታት ይውከሱ። ኣብዚ ቁጽሪ ሰብ ገለ ቆልዑት ግዳያት ናይ ስነ-ኣእምሮእዊ ጸቕጢ ወይ ኣካልዊ ጸቕጢ ኮይኖም ዘለዉ ኮይኑ ምስዝስምዖ ክውከስ ይከኣል። እቲ ዝግበር ዝርርብ ብእምነትን: ብምስጢር ዝተሓዝን ኢዩ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ። ንመድሃኒት ዝምልከት ጉዳይ እዚ ቁጽሪ ዝኾነ ሓበሬታ የብሉን።
እቲ ኣብ Näfels ዝርከብ ናይ ግዳያት ምኽሪ ዝህብ ኣገልግሎት ንዅሎም እቶም ዘቤታዊ ዓመጻ ዘጋጠሞም ሰባት ምኽርን ደገፍን ይህቦም ኢዩ። ኣብ መንጎ እቶም ሕጂ ዘለዉ ወይ እተበታተኑ ሰባት (ኣካላዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጾታዊ ቍጠባዊ ማሕበራዊ) ዓመጽ ኬስግኡ ወይ ኪፍጽሙ ኸለዉ ዘቤታዊ ዓመጻ እዩ ዜጋጥም። ኣዝማድን ክኢላታትን እውን ምስቲ ቤት ጽሕፈት ኪራኸቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዝርርብ ብምስጢርን ብናጻን እዩ ዚግበር። ብኢ-መይል እውን ክንራኸብ ትኽእል ኢና።