ኣባላት ስድራቤት ናብ ስዊስ ምምጻእ

ኣባላት ስድራ-ቤት ናይ ሓደ ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ: ከም ኩነታቶም ተራእዩ ናብ ስዊስ ክመጽኡ ይከኣል። ዘመድ ወይ መቕርብ ናብ ስዊስ መጺኡ ክበጽሓካ ምስዝደሊ: ከከም መበቖል ዓዶም ናይ መብጽሒ ቪዛ ክሕቱ ኣለዎም።

ኣባላት ስድራቤት ናብ ስዊስ ምምጻእ

ብመሰረቱ ናይ ቀረባ መቕርብ ዝኾኑ ኣባላት ስድራቤት: ዘመድ ወይ መጻምድቲ: ናይቲ ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ መቕርብ ዝኾኑ: ናብ ስዊስ ንክመጽኡ መሰል ኣባል ስድራ-ቤት ምትእኽኻብ (ምትእኽኻብ ስድራቤት, Familiennachzug) ኣለዎም።ነዚኦም ኣባላት ናብ ስዊስ ንምምጽእ: ኣብ መበቖል ዓዲ ናይቲ ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ ይምርኾስ። ብግዝያዊነት ተቕባልነት ኣብ ስዊስ ምንባር ብናይ መንነት ኤፍ (Ausweis F) ዝነብሩ ሰባት ኣብ ፍሉይ ቅድመ-ኩነት ኣባላት ስድራ ከምጽኡ ይከኣል። ክፍሊ ስደት ናይ ካንቶን (Amt für Migration und Integration) ነዚ ዝምልከት ውሳኔ የሕልፍን: ዘድሊ ናይ ሰነድ ምምላእን: ኣፈጻጽማ መስርሕ ናይቲ ጉዳይን ዝምልከት ሓበሬታ ይህብን። ተጠንቀቕ: ስድራቤት ምምጻእ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ክፍጸም ይግባእ። እዚ ኣብ ንእሽቱ ቅልዑት ሓጺር ኮይኑ ኣብ ዓበይቲ ግን ብተዛማዲ ( ብፍላይ ኣብ መጻምድቲ) ንውሕ ዝበለ ዩ።


ምድላው / ምቅርራብ ንመርዓ

ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብሞ: ካብ ደገ ክምርዖ/ክትምርዖ ምስዝድለ: ነቲ ኣብ ደገ ዘሎ መጻምድቲ: ንክምርዖ/ክትምርዖ: ናይ መመርዕዊ ፍቓድ ንምድላው መርዓ (Vorbereitung der Heirat) ተባሂሉ ፍቓድ ቪዛ ክሕተተሉ/ላ ይከኣል። እዚ ፍቓድ ነቲ ኣብ ደገ ዘሎ ሰብ ኣብ ስዊስ መጺኡ ንክምርዖ የኽቕል። ክፍሊ ስደት ናይ ካንቶን (Abteilung Migration) ነዚ ዝምልከት ውሳኔ የሕልፍን: ዘድሊ ናይ ሰነድ ምምላእን: ኣፈጻጽማ መስርሕ ናይቲ ጉዳይን ዝምልከት ሓበሬታ ይህብን።

ናብ ስዊስ መእተዊ / መምጽኢ ቪዛ

ንብዙሓት ዜጋታት ናይ ወጻኢ ሃገራት: ናብ ስዊስ ዘመድ ወይ ስድራቤት: ኣዕሩኽ ንምርኣይ ክመጽኡን መእተዊ ቪዛ ክረኽቡን ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ ንምቅላል: እቲ ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ: ናይ ዕድመ ጽሑፍ ክገብረሎምን: ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝምልከት ውሕስነት: ከም መሰረታዊ ናይ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ውሕስነት መረዳእታ/መረጋገጺ (Verpflichtungserklärung) ክገብረሎም የድሊ።ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ወኪል ናይ ስዊስ ነዚ ዝምልከት ውሳኔ የሕልፍን: ዘድሊ ናይ ሰነድ ምምላእን: ኣፈጻጽማ መስርሕ ናይቲ ጉዳይን ዝምልከት ሓበሬታ ይህብን። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ክፍሊ ስደት (Abteilung Migration) ናይ ነብሲ ወከፍ ካንቶን ብዝርዝር ይርከብ።

ክፍሊ ውሕስነትን ሕግን

Abteilung Migration
Postgasse 29
8750 Glarus
055 646 68 90
migration@gl.ch