ብውሑድ ገንዘብ ምንባር

ናብራ ስዊስ ብተዛማዲ ክቡር ኢዩ። በዚ ምኽንያት ካልኦት ሰባት ዝተጠቀምሉ ንብረት ምግዛእ ዘዋጽእ ኮይኑ ይርከብ። ሕጽረት ገንዘብ ዘለዎ ሰብ ካብ ፍሉያት ዱዃናት ብሕሱር ንብረት ምግዛእ ይከኣል።

ሓራጅ / ዘገልገለ / ሓዲሽ ዘይኮነ ንብረት

ኣብ ስዊስ ብዙሓት ናይ ሓራጅ መኽዘናት (Brockenhäuser) ኣለዉ። ኣብዚኦም ሓራጅ ንብረት ብሕሱር ዋጋ ምግዛእ ይከኣል። ኣብ ገለ ፍሉያት ቦታታት ውልቀ ሰባት ሓራጅ ንብረት ንመሸጣ የቕርቡ። ንኣብነት ናይ ገዛውቲ ዕዳጋ: ናይ ቆልዑ ንብረት መሸጣ: ናይ በረድ ስፖርቲ መሳርሒ መሸጣ ወዘተ... ብተወሳኺ ናይ ኢንተርነት ባብ ንምሻጥን ምግዛእን ናይ ሓራጅ ንብረት ኣዝዮም ህቡባት እዮም።

ናይ መንግስቲ ሓገዝ

ውሑድ ገንዘብ ዘለዎ ሰብ: ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት: ናይ መንግስቲ ሓገዝ ይወሃቦ። ነዚ ሓገዝ ዝምልከት ንኣብነት: ምሕሳር ዋጋ ናይ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት/ድሕነት ክፍሊት: ንወለዲ ዝግበር ጎናኣዊ ሓገዝ: ወይ ወፈያታት ንትምህርቲ ክወሃቡ ይከኣል። ኣብ ዝተፈልጡ ናይ ዕድመ ገደብ ንሰባት ብመንገዲ ማሕበራዊ ድሕነት ወይ ካብ ማሕበራዊ ሓገዝ: ገንዘብ ክወሃብ ይከኣል።

ድኳን ካሪታስ

ውሑድ ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ንመዓልታዊ ህይወቶም ዘድልዮም ኣስቤዛን ሃለኽቲ ኣቑሑን፡ ካብ ድኳን ካሪታስ (Caritas Markt | Epicerie Caritas)፡ ብሕሱር ዋጋ ክገዝኡ ይኽእሉ። እንተኾነ ብካሪታስ ዝወሃብ ሓደ ፍሉይ (Kultur-Legi) ካርድ የድሊ። ቤት ጽሕፈት ካሪታስ ብዛዕባ'ዚ ካርድ ይሕብርን መን እዚ ካርድ ክወሃብ ከምዝግብኦ የረጋግጽን። ድኳናት ካሪታስ ኣብ ካንቶን በርን ኣብ ከተማታት በርን፡ ቢልን ቱንን ይርከብ። እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ካንቶን ግላሩስ ድኳን ካሪታስ የለን። እቲ ዝቐረበ ኣብ ራፐርስዊል እዩ።