እርጋንን- ብድሕሪት ንዝተርፉ ሓድጊ/ ኢንሹራንስ (1. Säule)
እርጋንን- ብድሕሪት ንዝተርፉ ሓድጊ ድሕነት (AHV) ሓደ ናይ መንግስቲ ትካል ኢዩ። ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ሰባት ነዚ ዝምልከት ክፍሊት ክገብሩ ይግባእ።እዚ ክፍሊት ካብ ሰራሕተኛታት ካብ ደሞዞም ወርሕዊ ይቑረጽ: ወሃብ ስራሕ ከኣ ፍርቂ ይኸፍል። ነብሶም ክኢሎም ባዕሎም ዝናበሩ ሰባት ወይ ስራሕ ዘይብሎም: ኣብ ማሕበራውያን ኢንሹራንሳት ግላሩስ (SVA) ይምዝገቡ: ነዚ ክፍሊት ብከመይ ከምዝሽፍንዎ ከኣ የመልክቱ። AHV ጡረታ ንዝወጽኡ ሓደ ወርሓዊ ክፍሊት ይህብ። መጠን ናይዚ ብመሰረት እቲ ኣብ ግዜ ስራሕ ኣቐዲሙ ዝኽፈል ዝነበረ መጠን ገንዘብ ይውሰን። AHV ሞት ናይ ሓደ መጻምድቲ ምስዘጋጥም: ነቲ ዝተረፈ መጻምድቲ (መበለትን- ዘኽታምን) ይሕግዝ። ነብሲ ወከፍ ናይ AHV-መንነት ዘሎዎ ምስ ናይ ገዝእ-ርእሱ ናይ ህዝባዊ ድሕነት ወረቐት እዚ ክፍሊት ይወሃቦ።