ግዴታዊ ትምህርቲ

ግዴታዊ ትምህርቲ ንቆልዑ መሰረታዊ ትምህርቲ: ንኣብ ቀጻሊ ዕብየት ግዕዞኦም ዘድሊ ፍልጠት የበርክት። ህዝባዊ ቤት ትምህርቲታት ብነጻ ይወሃቡ።

ምዝገባ ቆልዑት

ንስርሓት ህዝባዊ ቤት ትምህርቲቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ምሉእ ሓልፍነት ይስከም። ንሓደ ቆልዓ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንክምዝገብ: ወለዲ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ወይ ናብ ሓላፊ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ይግባእ።

ደረጃታት ትምህርቲ

ግዴታዊ ትምህርቲ ኣብ ሰለስተ ተኸታተልቲ ደረጃታት ይኽፈል :

  • መዋእለ ሕጻናት (Kindergarten) ክልተ ዓመት ዝጸንሕ:
  • ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ (Primarschule) ንሽዱሽተ ዓመት ዝጸንሕ። ፍሉይ ጠለባትን ንጥፈታት ድልየትን ዘለዎም ቆልዑት: ፍሉይ ሓገዝ ይግበረሎም።
  • ላዕለዋይ ወይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (Sekundarstufe I) ሰለስተ ዓመት ይወስድ። ኣብዚ ደረጃ ትምህርቲ ሰልስተ ዓይነት ትምህርቲ ኣለዉ(Oberschule, Realschule, Sekundarschule)። ዝተፈላለዩ ደረጃ ንጥፈታት ከኣ ኣለዎም።
  • ቛንቛ ጀርመን ዘይክእሉ ቆልዑት: ኣብ ኩሉ ደረጃታት ፍሉይ ሓገዝ ይግበረሎም።

ህዝባዊ / ናይ ውልቂ ትምህርቲ

ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ይወሃቡ። ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ብሓባር ይመሃሩ። ኣቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ካብ ዝኾነ ናይ እምነት ጸግዒ ነጻ ኢዩ። መብዛሕትኦም ቆልዑት ነዚ መሰረታዊ ትምህርቲ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ይዛዝሙ(95%)። ናይ ውልቂ ቤት ትምህርቲ ውን ኣሎ። ወለዲ ደቆም ናብ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ እንተሰዲዶም፡ ናይ ቤት ትምህርቲ ክፍሊት ባዕሎም ይኸፍሉ።

ትምህርቲ ኣብ መበቈላዊ ቋንቋን ባህልን (HSK)

ቈልዑ ግዴታዊ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኰኑስ ብቛንቋኦምን ባህሎምን (Heimatliche Sprache und Kultur, HSK) እውን ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። እቶም ቈልዑን መንእሰያትን ነቲ ቛንቋ ብዝሓሸ መገዲ ኺርድእዎን ኪዛረቡን ኬንብቡን ኪጽሕፉን ይመሃሩ እዮም። ንኣብነት ብዛዕባ ታሪኽ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ በዓላት ከምኡውን ልምድታት ይመያየጥ እዩ። ቍጽሪ ተኣከብቲ ናይቲ ኮርስ ብፍታው ኢዩ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ክፍሊት ይወሃቦ ኢዩ እንተዀነ ግን ክኽፈል ኢዩ ዝምሕጸነና።

ምአሰልን ግቡእን ወልዲ

ቤት ትምህርቲን መምህራንን ንወለዲ ብዛዕባ መዓልታዊ ንጥፈታት ውላዶም ክሕብርዎም ይግደዱ። ነዚ ከእ ንወልዲ ምዝርራብ መደብ (Elterngespräche ኣብ መንጎ መምህርን ወለዲን): ናይ ወለዲ ምሸት (Elternabende, ሓበሬታ ናይ ቤት ትምህርቲ ንወለዲ) ከምኡውን ናይ ሓበሬታ ምዝርጋሕ መዓልቲ ይግበር። ተሳትፎ ወለዲ ይተባባዕ። ወለዲ: ውላዶም ናብ ቤት ትምህርቲ ብቀጻሊ ክኸይድ ምሉእ ሓላፍነት ይስከሙ። ውላድ ኣብ ትምህርቲ ክሳተፍ ዘይክእል እንተኮይኑ( ብምኽንያት ሕማም): ወለዲ ብዛዕባዚ ንቤት ትምህርቲ ክሕብሩ ይግባእ። ውላዶም ዕዮ ገዛ ንክገብር ተገዲሶም ክከታተልዎ ይግባእ። ወለዲ ኣብ ሃዋህው ቤት ትምህርቲ ተገዳስነት እንተ ኣርእዮም ንውላዶም ይድግፍዎ ኣለዉ።

ሕቶታት / ሓገዛት

ንትምህርቲ ዝምልከት ሕቶታት: ወለዲ ኩሉ ግዜ ንመምህራን ቤት ትምህርቲ ክሓቱ ይግባእ። መምህራን ብወገኖምውን ተማሃራዮም ጸገማት ወይ ፍሉይ ሕቶታት ምስዝህልዎ ንወለዲ ክውከሱ ይግባእ። ብሓፈሻኡ ወለዲ ምስ መምህራን ርክብ ክገብሩ: ብጥብቕ ብሓባር ክሰርሑን ክመያየጡን ኣገዳሲ ረቓሒ ኢዩ።