ምዝገባ ቆልዑት
ንስርሓት ህዝባዊ ቤት ትምህርቲቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ምሉእ ሓልፍነት ይስከም። ንሓደ ቆልዓ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንክምዝገብ: ወለዲ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ወይ ናብ ሓላፊ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ይግባእ።
ግዴታዊ ትምህርቲ ንቆልዑ መሰረታዊ ትምህርቲ: ንኣብ ቀጻሊ ዕብየት ግዕዞኦም ዘድሊ ፍልጠት የበርክት። ህዝባዊ ቤት ትምህርቲታት ብነጻ ይወሃቡ።
ንስርሓት ህዝባዊ ቤት ትምህርቲቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ምሉእ ሓልፍነት ይስከም። ንሓደ ቆልዓ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንክምዝገብ: ወለዲ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ወይ ናብ ሓላፊ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ይግባእ።
ግዴታዊ ትምህርቲ ኣብ ሰለስተ ተኸታተልቲ ደረጃታት ይኽፈል :
ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ይወሃቡ። ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ብሓባር ይመሃሩ። ኣቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ካብ ዝኾነ ናይ እምነት ጸግዒ ነጻ ኢዩ። መብዛሕትኦም ቆልዑት ነዚ መሰረታዊ ትምህርቲ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ይዛዝሙ(95%)። ናይ ውልቂ ቤት ትምህርቲ ውን ኣሎ። ወለዲ ደቆም ናብ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ እንተሰዲዶም፡ ናይ ቤት ትምህርቲ ክፍሊት ባዕሎም ይኸፍሉ።
ቈልዑ ግዴታዊ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኰኑስ ብቛንቋኦምን ባህሎምን (Heimatliche Sprache und Kultur, HSK) እውን ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። እቶም ቈልዑን መንእሰያትን ነቲ ቛንቋ ብዝሓሸ መገዲ ኺርድእዎን ኪዛረቡን ኬንብቡን ኪጽሕፉን ይመሃሩ እዮም። ንኣብነት ብዛዕባ ታሪኽ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ በዓላት ከምኡውን ልምድታት ይመያየጥ እዩ። ቍጽሪ ተኣከብቲ ናይቲ ኮርስ ብፍታው ኢዩ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ክፍሊት ይወሃቦ ኢዩ እንተዀነ ግን ክኽፈል ኢዩ ዝምሕጸነና።
ቤት ትምህርቲን መምህራንን ንወለዲ ብዛዕባ መዓልታዊ ንጥፈታት ውላዶም ክሕብርዎም ይግደዱ። ነዚ ከእ ንወልዲ ምዝርራብ መደብ (Elterngespräche ኣብ መንጎ መምህርን ወለዲን): ናይ ወለዲ ምሸት (Elternabende, ሓበሬታ ናይ ቤት ትምህርቲ ንወለዲ) ከምኡውን ናይ ሓበሬታ ምዝርጋሕ መዓልቲ ይግበር። ተሳትፎ ወለዲ ይምከር። ወለዲ: ውላዶም ናብ ቤት ትምህርቲ ብቀጻሊ ክኸይድ ምሉእ ሓላፍነት ይስከሙ። ውላድ ኣብ ትምህርቲ ክሳተፍ ዘይክእል እንተኮይኑ (ብምኽንያት ሕማም): ወለዲ ብዛዕባዚ ንቤት ትምህርቲ ክሕብሩ ይግባእ። ውላዶም ዕዮ ገዛ ንክገብር ተገዲሶም ክከታተልዎ ይግባእ። ወለዲ ኣብ ረብሓታት ቤት ትምህርቲ ተገዳስነት እንተ ኣርእዮም ንውላዶም ይድግፍዎ ኣለዉ።
ንትምህርቲ ዝምልከት ሕቶታት ምስዝህልዎም: ወለዲ ኩሉ ግዜ ንመምህራን ቤት ትምህርቲ ክሓቱ ይግባእ። መምህራን ብወገኖምውን ተማሃራዮም ዝኾነ ነገር ምስ ዘድልዮ ወይ ፍሉይ ሕቶታት ምስዝህልዎ ንወለዲ ክውከሱ ይግባእ። ብሓፈሻኡ ወለዲ ምስ መምህራን ርክብ ክገብሩ: ጥቡቕ ምትሕብባር ክገብሩን ክመያየጡን ኣገዳሲ ረቓሒ ኢዩ።