ወለዲ ምዃን

ሓደ ቆልዓ ምዕባይ ብዙሕ ሓላፍነትን ጠለባትን ይሓትት። ብዙሓት ወለዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ንውላዶ እቲ ዝበለጸ እንታይ: ኢዩ ኢሎም ይሓቱ። ምስ ካልኦት ወለዲ ምትሕታት ጽቡቕ ውጽኢት ክርከቦ ይከኣል። ብዘይካዚ ብዙሓት ናይ ምኽሪ ትካላት ኣለዋ።

መራኸቢ ቦታታት

ንኣቦታትን ኣዴታትን ምስ ካልኦት ወለዲ ተመክሮን ሓበሬታን ዝለዋወጥሉን: ደቆም ሒዞም ዘጻውትሉን ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዝግበሮ ኣቕርቦት ኣሎ። ገለ ኣቕርቦታት ብፍሉይ ንስዊስን ወጻእተኛታት ወለዲን ዝምድና ንክገብሩ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኢዩ።

  • ን ንኣሽቱ ካብ 3 ዓመት ዝዕድሜኦም ሕጻናት ክሳብ መእተዊ መዋእለ ሕጻናት ኣብ ብዙሓት ምምሕዳር ከባቢታት መጻወቲ ጉጅለታት (Spielgruppen) ዝበሃሉ ኣሎዉ። ኣብዚ ወለዲ ነንሕድሕዶም ይላለዩ።
  • ወለዲን ሕጻናትን ናይ ገዛ ምንቅስቓስ ስፖርት (MuKi-/VaKi-/ElKi-Turnen) ዝገብርሉን ዝዘናግዕሉን ኣገልግሎት ይህብ።
  • ቤተ መጻሕፍቲ ንወለዲን ቆልዑትን ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ይገብሩ።

ኣብ ትነብርሉ ምምሕዳር ከባቢ ድኩም ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ነዚ ዝምልከት ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ምውካስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።

ስልጠና ንወለዲ

ኣብ ካንቶን Glarus ወለዲ: ንዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝምልከት ስልጠናታት ይሳተፉ።ኣብዚ ብፍላይ ንናይ ወጻእተኛትት ጠለባት ዝምልከቱ ስልጠናታት ይወሃቡ። ከም ኣብነት ዝጥቀስ: ብዛዕባ ናይ ስዊስ ናይ ትምህርቲ ሜላ/ኣገባብ ኢዩ። ገለ ስልጠናታት ብናይ ደገ ቛንቛ ይወሃቡ። ብዛዕባዚኦም ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ኣብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ "Elternbildung Glarus" ካብ ቤት ትምህርቲ ወይ ምምሕዳር ከባቢ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል።

ናይ መዕበያ ኣማኸርቲ

ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑት ብዙሕ ክፈልጥን : ሓበሬታ ክረክብ ዝደልን: ዝተፈላለያ ናይ ምኽሪ ትካላት ክውከስ ይከኣል። ብተወሳኺ ናይ ኣባታዊን እናታዊን ኣገልግሎት ምኽሪ (Mütter- und Väterberatung) ኣብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳር ከባቢታት: ብዞኣዕባ ኣተዓባብያ ውላድን: ናይ ኣጠባብዋ ሜላን ሓበሬታ ይህባ። ኣብ ናይ ወልዲ ህጹጽ ረድኤት ዝድለየሉ ንወለዲ : ክኢላታት እዚ ዓውዲ ብተለፎን ወይ ኢ-መይል (ተልፎን 0848 35 45 55 (ንቡር ታርፍ ዝኽፈሎ) www.elternnotruf.ch) ምውካስ ይከኣል።