መራኸቢ ቦታታት
ንኣቦታትን ኣዴታትን ምስ ካልኦት ወለዲ ተመክሮን ሓበሬታን ዝለዋወጥሉን: ደቆም ሒዞም ዘጻውትሉን ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዝግበሮ ኣቕርቦት ኣሎ። ገለ ኣቕርቦታት ብፍሉይ ንስዊስን ወጻእተኛታት ወለዲን ዝምድና ንክገብሩ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኢዩ።
- ን ንኣሽቱ ካብ 3 ዓመት ዝዕድሜኦም ሕጻናት ክሳብ መእተዊ መዋእለ ሕጻናት ኣብ ብዙሓት ምምሕዳር ከባቢታት መጻወቲ ጉጅለታት (Spielgruppen) ዝበሃሉ ኣሎዉ። ኣብዚ ወለዲ ነንሕድሕዶም ይላለዩ።
- ወለዲን ሕጻናትን ናይ ገዛ ምንቅስቓስ ስፖርት (MuKi-/VaKi-/ElKi-Turnen) ዝገብርሉን ዝዘናግዕሉን ኣገልግሎት ይህብ።
- ቤተ መጻሕፍቲ ንወለዲን ቆልዑትን ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ይገብሩ።
ኣብ ትነብርሉ ምምሕዳር ከባቢ ድኩም ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ነዚ ዝምልከት ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ምውካስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።