ድሕነት ናይ ስራሕ ዘይብቑዕ ምኻን
ናይ ስራሕ ብቕዓት ዘይብሎም ሰባት ትካል ድሕነት (IV) ሓደ ናይ መንግስታዊ ትካል ሓገዝ ኢዩ። መብዛሕትኦም ዓቕሚ-ኣዳም ዝበጽሑ ሰባት: ነዚ ወርሓዊ ከፍሊት ካብ ደሞዞም ይስላዕ። እዚ ክፍሊት ብቀጥታ ካብ ወርሓዊ ደሞዝ ይውሰድ። ወሃቢ ስራሕ ከኣ ፍርቒ ይኸፍል። ነብሶም ክኢሎም ዝነብሩ ሰባት ወይ ስራሕ ዘይብሎም ኣብ ማሕበራውያን ኢንሹራንሳት Glarus (SVA) ተመዝጊቦም ከመይ ጌሮም ክፍሊቶም ክኸፍሉ ከምዝግብኦም ክሓቱ ይኽእሉ።