ዩኒቨርሲቲ / ክኢላዊ ላዕለዋይ ትምህርቲ

ኣብ ስዊስ ክልተ ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣለዉ። ዩኒቨርሲቲን ክኢላዊ ዕለዋይ ትምህርቲን ይብሃሉ። ናይ ወጻኢ ናይ ብስለት ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ሒዝካ ምስትመጽእ: ብቀጥታ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ትኸይድ።

ሜላ / ኣገባብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ

ኣብ ናይ ስዊስ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ: ዩኒቨርሲቲን ክኢላዊ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲን (Universitäten und Fachhochschulen; Tertiärstufe) ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይኽፈል። ኣብ ክኢላዊ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ: ንተግባር ዝዓለመ: ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከኣ ንክልሰ-ሓሳብ ዝዓለመ ትምህርቲ ይወሃብ። ክልቲኦም ዓይነት ትምህርቲ ማዕረ ዝቖሙ እዮም: ብና ቦለኛ ሕጊ ኤውሮጳ መሰረት ድማ ማዕረ ይስርዑ።እዚኦም ብደረጃ ባችለር ወይ ማስተር ብሕጊ ኤውሮጳ ተፈሊጦም ይዛዘሙ።

መእተዊ ረቛሒታት

ከከም ዓይነት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ: መእተዊ ረቛሒታት ይፈላለዩ። ናይ ስዊስ ናይ ብስለት ትምህርቲ ምስክር ወረቕት ብርግጽ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ የእቱ። ናይ ወጻኢ ናይ ብስለት ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ተቐባልነት የብሉን። ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምእታው ሰብ ብቀጥታ ናብ ዩኒቨርሲቲ/ ክኢላዊ ላዕለዋይ ትምህርቲ ማለት ኣብቲ ክመሃረሉ ዝደልዮ የመልክት። ብሓፈሽኡ ምልከት ጀርመናገዳሲ ቅድመ-ኩነት ኢዩ። ገለ ዓውደ ትምህርቲ ቀዳማይ ዓመት ብእንግሊዝ ዝህባ ዩኒቨርሲቲ ኣለዋ። ምኽሪ ሞያን ሞያዊ ተመኩሮን Glarus (Berufs- und Laufbahnberatung Glarus) ነዚ ዝምልከት እኹል ሓበሬታ ብዛዕባ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ዘለዉ ተኽእሎታት ይሕብር።

ዝለዓለ ሞያዊ ስልጠና

ኣብ ጎድኒ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ስዊስ ዝለዓለ ሞያዊ ስልጠና (höhere Berufsbildung) እቲ ተፈታዊ መንገዲ ፍልጠት እዩ። እዚ ናይ ሞያ ላዕለዎት ክኢላታት ብሓደ ፍላ ዓውዲ ዕሚቕ ፍልጠት ሒዞም : ክእላዊ ፍልጠት ንከጥርዩን ቀላሲ ስራሕ ንምዃ ይበቕዑ። እዚ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ መሰረትዊ ናይ ሞያ ትምህርቲ (Berufslehre) ተታሓሒዙ ይመጽእ። ምኽሪ ስራሕን ሞያዊ ተመኩሮን Glarus ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ተኽእሎታት ይህብ።