ፍሉያት ቀረባት
ወጻእተኛታት ኣብ ስዊስ: ምስ ደቂ ስዊስን ሕብረተሰብ ስዊስን ንክነብሩን ርክብ ንክገብሩን ዝሕግዝዎም ማእለያ ዘይብሎም ፍሉያት ቀረባት ኣለዉ። ገለ ካብእቶም: ቀጻሊ ዝርርብ: ኣብ ትርፊ ግዜ ዝወሃቡ ቀረባት: ኣስተምህሮን ስልጠናን እዮም። እቲ ሞያዊ ጨንፈር ውህደት ብዛዕባ እዞም ቀረባት ሓበሬታ ይዝርግሕ። ብዙሓት ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢታት: ሓደስቲ ነበርቲ ንምቕባል ውራይ ይገብሩ: እዚ ከእ ሓደ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ፈላሚ ጦብላሕታ ንምግባር ይሕግዝ።