መእተዊ ባብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ

ኣብ ስዊስ ናይ ስራሕ ዕድል ክትረክብ ይኹን ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል ክትገብር: ከም መበቆላዊ ዜግነትካን ናብ ስዊስ መምጽኢኻ ምኽንያትን ይፈላለ። ንዝኾነ ግን ኣብ ስዊስ ዝሰርሕ ሰብ: ኣብ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ትካላት ክምዝገብ ይግባእ።

ናይ ስራሕ ፍቓድ

ሕቶ ብዛዕባ ፍቓድ ስራሕ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ምሃብ መንበሪ ፍቓድ እዩ ዝውዳእ። ከም ንቡር ኣብ ስዊዘርላንድ መሰል መንበሪ ዘለዎም ሰባት ክሰርሑ'ውን ይፍቀደሎም እዩ ። ከከም ዜግነቶምን ንውሓት ስርሖምን ኣስራሕቲ ወይ ሰራሕተኛታት ፍቓድ ክወሃቦም ይሓቱ። ርግጸኛ እንተ እንተዘይኴንኩም ሓንቲ ካብዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ኣብያተ ጽሕፈት ክሕግዛኹም ይኽእላ እየን። እዘን ኣብያተ ጽሕፈት ነቶም ገና ኣብ ስዊዘርላንድ ዘይነብሩን እንተኾነ ግን ኣብዚ ክሰርሑ ዝደልዩን ሰባት እውን ምኽሪ ይህባ እየን። ካብ ዓመተ 2019 ኣትሒዙ ተቐባልነት ዝረኸቡ ስደተኛታት (መንበሪ ፍቓድ B)፡ ግዝያዊ ተቐባልነት ዝረኸቡ ኮይኖም ግን ከም ስደተኛታትን ዘይስደተኛታትን ዝተፈልጡ (መንበር ፍቓድ F)፡ ፍሉይ ፍቓድ ኣየድልዮምን እዩ። ግን መጀመርታን መወዳእታን ናይ ነፍስ ወከፍ ስራሕ ብወግዓዊ ፎርም(ቅጥዒ) ናብ ካንቶን ክቐርብ ኣለዎ። (ናይ ምሕባር ኣከያይዳ፣ Meldeverfahren). ንጉዳያት ስራሕኩም እቲ እትሰርሕሉ ካንቶን ተሓታቲ እዩ። እዚ ሓበሬታ እዚ ብዘይክፍሊት እዩ ። ሓተቲ ዑቕባ (መንበሪ ፍቓድ N) ንክሰርሑ ፍቓድ የድልዮም እዩ።

ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል

ገለ ሰባት ኣብ ስዊስ ናይ ገዛእ ርእሶም ትካል ክገብሩ ምስዝደልዩ: ፍቓድ ናይ ምርካብ ዕድሎም ካብ ዜግነቶምን ኣብ ስዊስ ዘለዎም ኩነታት መንበሪ ፍቕድን ይምርኮስ። ንካብ EU/EFTA ሃገራትን ናይ መንበሪ ፍቓድ C ዘለዎም ሰባትን: ናይ ገዛእ ርእሶም ትካል ምምስራት ዝቐለለ ኢዩ። ናይ ካንቶን ናይ ስደተኛታትን ምውህሃድን በዓል-ስልጣን (Amt für Migration und Integration) ንስደተኛታት ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል ምምስራት ዝምልከት ተኽእሎ ይሕብሮም። እቲ ፍሉይ ቦታ ናይ ካንቶን ጠለባት ዝሕተቶ (Standortförderung) ንግብራዊ ክውንነት ይተሓባበር።

ዘይሕጋዊ / ጸሊም ስራሕ

ኣብ ማሕበራዊ ድሕነት ከይተመዝገበ ዝሰርሕ ሰብ: ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘይብሉ ወይ ደሞዙ ንኣኽፈልቲ ግብሪ ዘይሕብር: ምቕጻዕቲ ይመጽኦ። እዚ ከኣ ናይ ጸሊም ስራሕ (Schwarzarbeit) ይበሃል።እዚ ናይ ጸሊም ስራሕ: ሕጋዊ ሳዕቤናት ኣብ ወሃብ ስራሕን ሰራሕተኛን ይኸትል። ካብዚ ወጻኢ እቲ ዝሰርሕ ሰብ ናይ ሓደጋ ውሕስነት ስለዘይብሉ: ናይ ጥሮታ ይኹን ድሕነት ሓገዝ የብሉን። ወሃብ ስርሑ ብትክኽል ኣይስርሕን ኣሎ ዝብል እምነት ዘለዎ ሰብ: ብዘይ ክፍሊት ገንዘብ ዘማኽር ትካል (Rechtsberatungsstelle) ክውከስ ይግባእ።

ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት

ብመሰረቱ: ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት መጀመርታ ኣብ መበል 15 ዓመት ዕድሜኦም ክሰርሑ ይፍቀድ። ፈⷉስ ስራሕ: ኣብ ውሱን ከባቢ( ንኣብነት ኣብ ግዜ ዕረፍቲ) ክሰርሑ ይፍቀድ። ወለዲን ወሃብቲ ስራሕን ኣብዚ እቶም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ልዕሊ ዓቕሞም ክሰርሑ ከይግደዱ ክጥንቀቑ ይግባእ።