ተቐባልነት / ተፈላጥነት ዲፕሎማ
ናይ ወጻኢ ዲፕሎማ ዘለዎም ሰባት ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ እተወሰነ ዅነታት ኣፍልጦ ኽህቡሉ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ኣፍልጦ እዚ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማ ወይ ዲግሪ ምስ ዲፕሎማ ስዊዘርላንድ ወይ ዲግሪ ማዕረ ምዃኑ የረጋግጽ። ስርዓታት ዝወሃቦ ሞያ (ንኣ. ንኣብነት ኣለይቲ ሕሙማት፣ መምህራን ወዘተ) ነዚ ሞያ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተፈላጥነት የድሊ። ከከም ሞያ ወይ ስልጠና እተፈላለዩ ኣካላት ተፈላጥነት ናይ ምርካብ ሓላፍነት ኣለዎም። ኣፍልጦ ምሃብ ክፍሊት እዩ ዚኽፈል። ካብ ሃገራዊ ዲፕሎማ (Nationale Kontaktstelle für Diplomanerkennung) ወይ ካብ ናይ ግላሩስ ሞያን ተመኩሮን መምርሒ ኣገልግሎት (Berufs- und Laufbahnberatung Glarus) ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። |