ናይ ባንኪ ሕሳብ / ምኽፋል ሓስብ

ደሞዝ ዝኽፈልን ናይ ዝተፈላለዩ ሕሳባት ክፍሊት ክገብር ዝደሊን: ናይ ባንኪ ወይ ናይ ፖስት ሕሳብ ክህልዎ ይግባእ። ንምግዛእ ዝተፈላለዩ ነገራት ናይ ዕዳን ለቓሕን ካርድታት ብብዝሒ ይዝውተሩ።

ናይ ባንኪ ሕሳብ

ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ ዳርጋ ኩሉ ናይ ባንኪ ሕሳብ/ኣካውንት ኣለዎ። ንሰራሕተኛታት ደሞዞም ከም ሕጊ መሰረት ብልምዲ ኣብ ናይ ባንኪ ሕሳቦም/ኣካውንቶም ይመሓላለፈሎም።ብዙሓት ባንኪታትን ናይ ፖስታ ባንኪን ናይ ሕሳብ/ኣካውንት ንውልቀ ሰባት ይህባ። መኽፈቲ ናይ ባንኪ ሕሳብ ከም ልሙድ ብዘይ ክፍሊት ብነጻ ይግበር። ኣብዚ ግን ዝተፈላለዩ ክራይ ግብሪ/ቀረጽ ኣብ ክፍሊት ይኣትዉ። ኣብዚ ግብሪ/ቀረጽ ወይ ናይ ክራይ ክፍሊት: ወለድ ናይ ምህደራ ስራሕ እናተባህለ ዝግበር ክፍሊት: ከከም ባንኪ ክበዝሕ ወይ ክውሕድ ስለዝኽእል: ኣየናይ ከምዝበልጽ ምውድዳር የድሊ። ሓደ ናይ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት: መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ወይ ናይ መንነት ወረቐት የድልዮ።

ናይ ለቓሕ / ናይ ዕዳ ካርድታት

ሕኣደ ናይ ባንኪ ሕሳብ ዘለዎ ሰብ: ከም ሕጊ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ ካርድ ይወሃቦ። እዚ ገንዘብ ንከውጽእ ይቀመሉ። እዚ ኣብቲ ናቱ ባንኪ ሕሳብ ዘለዎ ጥራይ ይሰርሕ። ባንኪታት ወይ ናይ ፖስታ ባንኪ ግን ሓደ ናይ ዕዳ ካርድ ( ንእብነት ከም ማየስትሮ) ይህቡ። በዚ ዋና ናይ ባንኪ ሕሳብ ኣብ ዝተፈላለየ ባንኪ ወይ ሃገራት እንተከይዱ ክኸፍል ይኽእል። ከከም ዓይነት ናይ ባንኪ ሕሳብ: ዝግበር ግብሪ/ቀረጽ ክፍሊት ይፈላለ። ናይ ለቓሕ ባንኪ ካርድ ካብ ዝተፈላለዩ ባንኪታት ክሕተት ይከእል። ናይ ምሕደራን ናይ ክራይ ክፍሊት ብዙሕ ይፈላለ። ብዚ ናይ ዕዳ/ለቕሕ ካርድ ምኽፋል ብተዛማዲ ብዙሕ ይዝውተር።

ናይ ቢል / ክፍሊት ወጻኢታት ምኽፋል

ንትረኽቦም ኣገልግሎታት ዝለእእኽ ቢል/ መኽፈሊ ሕሳብ: ከም ልሙድ ብሕጊ ብመኽፈሊ ወረቐት ብፖስታ ይለእኹ። ነዚኦም ንምኽፋል ሰለስተ ትኽእሎታት ኣለዉ።

  • ኢ ባንኪን: ኣዝዩ ዝውቱር ብኢንተርነት ዝኽፈልን ርጉጽ/ውሑስ ኢዩ።
  • ኣብ መኽፈሊ ቦታ ናይ ፖስት: እዚ ብመኽፈሊ ወረቐት ገሩ ሰብ ኣብ ፖስት ቤትጽሕፈት ብጥረ ገንዘብ ይኸፍል። ናይ ፖስታ ናይ ባንኪ ሕሳብ ዘለዎ ሰብ: ክፍሊት ብቐጥታ ካብ ናይ ፖስታ ባንኪ ሕሳቡ ክኸፍል ይኽእል። ናይ ባንኪ ዓማዊል ዝኾኑ ሰባት: ዝኽፈል ሕሳቦም ኣብ መኽፈሊ ቦታ ናይቲ ባንኪ ክትግብርዎ ይከእል።
  • ብፖስታ: ናይ ምኽፋል ውዕል ብ ደብዳቤ ኣብቲ ባንኪ ወረቐት ብምልኣኽ ክትግበር ይከኣል። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ እቲ ባንኪ ወይ ፖስት ይሕብር። ናይ ኣክፋፍላ ኣገባብ: እንደገና ንዝተመልሱ ናይ ክፍሊት ወረቐት/ ቢል ባንኪ ወይ ፖስት ይሕብር።
  • ናይ መጨረሽታ ጽሑፍ ኣገባብ ውዕል (LSV) ኣዝዩ ምቹእ ኣገባብ ኣከፋፍላ ብቐጥታ ካን ናይ ባንኪ ሕሳብ: ኣቲ ቢል ከምዝኽፈል ዝገብር ኢዩ። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ እቲ ዝኽፈል ወይ ባንኪ/ፖስታ ይሕብር።
  • እቲ ዝኽፈል ዋጋ ኩሉ ግዜ ሓደ ዓይነት እንተኮይኑ: ንኣብነት ክራይ ገዛ: ኣብ ባንኪ ወይ ፖስት ሓደ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ውዕል ክፍሊት (Dauerauftrag) ንምስግጋር/ምኽፋል ይግበር።

ናይ ክፍሊት ወረቐት /ቢል : ኩሉ ግዜ ዝኽፈለሉ ግዜ ዝተወስነ ኢዩ።ኣብዚ ዝተወሰነ ግዜ እቲ ሕሳብ ምስዘይክፈል: ሓደ ናይ ዕዳ መዝገብ ኣብ ጸሊም ሊስታ: ክግበር ይከእል