ናይ ባንኪ ሕሳብ
ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ ዳርጋ ኩሉ ናይ ባንኪ ሕሳብ/ኣካውንት ኣለዎ። ንሰራሕተኛታት ደሞዞም ከም ሕጊ መሰረት ብልምዲ ኣብ ናይ ባንኪ ሕሳቦም/ኣካውንቶም ይመሓላለፈሎም።ብዙሓት ባንኪታትን ናይ ፖስታ ባንኪን ናይ ሕሳብ/ኣካውንት ንውልቀ ሰባት ይህባ። መኽፈቲ ናይ ባንኪ ሕሳብ ከም ልሙድ ብዘይ ክፍሊት ብነጻ ይግበር። ኣብዚ ግን ዝተፈላለዩ ክራይ ግብሪ/ቀረጽ ኣብ ክፍሊት ይኣትዉ። ኣብዚ ግብሪ/ቀረጽ ወይ ናይ ክራይ ክፍሊት: ወለድ ናይ ምህደራ ስራሕ እናተባህለ ዝግበር ክፍሊት: ከከም ባንኪ ክበዝሕ ወይ ክውሕድ ስለዝኽእል: ኣየናይ ከምዝበልጽ ምውድዳር የድሊ። ሓደ ናይ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት: መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ወይ ናይ መንነት ወረቐት የድልዮ።