ሃይማኖትን ሃገርን
ስዊስ ብልምዲ ብክርስትያናዊ ሃይማኖት ዝተዓብለለት ኢያ። ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ዘሎ ዝምድና ምስምማዕ ናይ ካንቶን ሓላፍነት ኢዩ። ኣብ መብዛሕተአን ናይ ስዊስ ገርመን ካንቶናት: ከምኡ ውን ኣብ ካንቶን Glarus እተን ናይ ክርስትያን ሃይማኖታት ከም ህዝባዊያን ሕጋዊያን ትካላት (ሃገራዊ ቤተክርስትያን , Landeskirchen)ይፍለጡ። እዚ ማለት ከኣ መንግስቲ ፍሉጥ መሰላት ይህበን። ብንጹ ንምጥቃስ: እተን ቤተክርስትያናት ካብ ህዝበን ቀረጽ ክእክባ ይኽእላ። ኣብ ካንቶን Glarus ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ከምኡውን ሪፎርሚርተ ቤተክርስትያን ናይ ሃገር ቤተ ክርስትያናት ይፍለጣ።