ሃይማኖት

ስዊስ ብልምዳዊ ትውልዲ ናይ ክርስትያን ሃገር ኢያ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ግን ወገናት ካልኦት ሃይማኖታዊ ሕብረተሳባት ዝኾኑ ኣብ ስዊስ ይነብሩ ኣለዉ። ናይ ሃይማኖት ናጽነት ውሑስን ኣብ መንግስታዊ ቤት ትምህርትታት ከኣ ሃይማኖታዊ ሽርነት የለን።

ሃይማኖትን ሃገርን

ስዊስ ብልምዲ ብክርስትያናዊ ሃይማኖት ዝተዓብለለት ኢያ። ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ዘሎ ዝምድና ምስምማዕ ናይ ካንቶን ሓላፍነት ኢዩ። ኣብ መብዛሕተአን ናይ ስዊስ ገርመን ካንቶናት: ከምኡ ውን ኣብ ካንቶን Glarus እተን ናይ ክርስትያን ሃይማኖታት ከም ህዝባዊያን ሕጋዊያን ትካላት (ሃገራዊ ቤተክርስትያን , Landeskirchen)ይፍለጡ። እዚ ማለት ከኣ መንግስቲ ፍሉጥ መሰላት ይህበን። ብንጹ ንምጥቃስ: እተን ቤተክርስትያናት ካብ ህዝበን ቀረጽ ክእክባ ይኽእላ። ኣብ ካንቶን Glarus ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ከምኡውን ሪፎርሚርተ ቤተክርስትያን ናይ ሃገር ቤተ ክርስትያናት ይፍለጣ።

ሃይማኖታዊያን ማሕበራት ኣብ ካንቶን Glarus

ኣብ ጎድኒ እተን ህዝባዊያን ብሕጊ ዝተፈልጣ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት (Landeskirchen) ኣብ ካንቶን Glarus ብዙሓት ካልኦት ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ናይ ዝተፈላለየ መንገዲ እምነት ኣለዉ። መብዛሕትኦም ተቐመጥቲ Glarus ተኸተልቲ ሓደ ዓይነት ኣንፈት ሃይማኖት ኢዮም። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ግን ቁጽሪ ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና እናዓበየ መጺኡ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን ቍጽሪ ኣባላት ካልኦት ሃይማኖታት እውን ወሲኹ ኢዩ። እንተላይ ዝኾነ ኣባልነት ሃይማኖት ዘይብሎም መጠን ሰባት እውን እናወሰኸ ይኸይድ።

ሃይማኖታዊ ናጽነት

ናይ ስዊስ ሃገራዊ ቅዋም ናይ ሃይማኖት ናጽነት የውሕስ። ነብሲ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ እምነት ከዘውትርን ከእምንን ክስፋሕፍሕን መሰል ኣለዎ። ዋላ ሓደ ሰብ ተገዲዱ ኣብ ሓደ ሃይማኖት ክኣቱ ወይ ኣብ ሓደ ናይ ሃይማኖት ዋጋ ዕዳጋ ክሳተፍ ኣይከኣልን። ሰባት ክጠራነፉ ይኽእሉ: ሃይማኖታዊ ወግዒታቶም ክገብሩ ከብዕሉን ይኽእሉዮም። ዋላ ሓደ ሰብ ብምኽንያት ሃይማኖቱ ወይ እምነቱ ክውገን ወይ ክንጸል የብሉን።

ሃይማኖትን ትምህርቲን

እቲ ግቡእ መሰረታዊ ትምህርቲ ብሃይማኖት ሻራ ኣይገብርንዩ። እዚ ማለት ግን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቦታ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ግን ፍልልይ ክህሉ ይኽእል። ኣብ ቤተክርስትያን ዝወሃብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝወሃብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲን" ስነ ልቦናን ሃይማኖትን" ይፈላለ ኢዩ። ኣብዚ መዳይዚ ሃይማኖታዊን ስነልቦናዊን ትምህርቲ ብልምዳዊ ሕቶታት ተዛዕብዮም:ንኩሎም ሰባት ይምልከቱ።እዚ ግን ኣብ መባእታዊን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ላዕለዋይ ጽፍሒ ግዴታዊ ትምህርቲ ይኾኑ። ተሳተፍቲ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ: ሃገራዊ ትምህርቲ ሃይማኖት ክመሃሩ ብነጻ ድልየቶም ጥራይ ኢዩ። ንኣመንቲ ካልእ ሃይማኖት: እተን ካልኦት ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት: ብከፊል ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ትምህርቲ የዳልዋሎም።