ምውጋን/ምጉሓፍ ጎሓፍ

ንምእላይ ጎሓፍ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ሓላፍነት ኣለዎ። ስለዚ ኩሉ ምምሕዳር ከባቢ: ናይ ገዛእ ርእሱ ሕግታት ኣለዎ። ምፍልላይ ጎሓፍ ኣገዳሲ ስራሕ ኢዩ። ነዚ ከኣ ዝተፈላለዩ መእከቢ ጎሓፍ ቦታታት ኣለዉ።

ግኦሓፍ ምፍልላይን / ደጊምካ ምምስራሕን

ጎሓፍ ምፍልላይ ንምዕቓብ ከባቢን ገንዘብ ንምቑጣብን ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ። ካልኣይ ዝሰርሕን ከባቢ ዘበላሹን ጞሓፍ: ኣብ ሓደ ፍሉይ መእከቢ: ናይ ካርቶን/ወረቐት: ናይ ባተሪ: ናይ ጥርሙዝ: ሓምላይ ጎሓፍ: ዘይቲ: ኣጭርቕቲ: ሓጺን... እናተባህሉ ይፍለዩ:እዚኣቶም ምስቲ ናይ ገዛ ጎሓፍ ኣይሕወሱን። ነብሲ ወከፍ ምምሕዳር ከባቢናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ጎሓፍ ምእላይ መደባት (Entsorgungsplan) ወይ ናይ ጎሓፍ ዓውደ ኣዋርሕ (Abfallkalender) ኣለዎ። ነዚ ኩሉ ሰብ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣብ ዝምዝገበሉ ግዜ ይወሃቦ። ኣብዚ መዓስ ኣየናይ ጎሓፍ ኣበየናይ ቦታ ከምዝጎሓፍ ብዝርዝር ይሕበር። ጞሓፍ ምንዳድ ወይ ኣብዘይግቡእ ቦታ ምድርባይ ኩልኩል ኢዩ። ናይ ፕላስቲግ ጥርሙዝ (PET-Flaschen) ከምኡውን ካልእ ባኮታት ኣብ ኩሉ መሸጢ ቦታታት ብዘይ ክፍሊት ክምለስ ይከኣል።

ናይ ጎሓፍ ብላስቲክ / ዝልጠፍ ማርክ / ምልክት ክፍሊት

እቲ እንደገና ክዝውተር ዘይከኣል ጐሓፍ (ጐሓፍ ስድራቤት) ኣብ ወግዓዊ ናይ ጐሓፍ ቦርሳታት ወይ ኣብ ናይ ጐሓፍ ቴምብር ክድርበ ኣለዎ። ዋጋ እቲ ቦርሳታት ወይ ቴምብር ድማ ይኽፈሎም። ጐሓፍ ገዛ ንምውጋድ ነዚ ዕላማ እዚ ተባሂሉ እተዳለወ ወግዓዊ ናይ ግላሩስ ክፍሊት ቦርሳታት ወይ ዓበይቲ ኣቕሑ ማሕተም ክዝውተር ኣለዎ። ንኣብነት እዚ ቦታታት እዚ ኣብ ኣደራሻት ዕዳጋን ድኳናትን ይርከብ እዩ። እቲ ናይ ጐሓፍ ቦርሳ ኣብ እተወሰነ መዓልትታት ኣብ መገዲ (ወይ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ካልእ ቦታ ምእካብ) ክወሃብ ኣለዎ። ነቲ ጐሓፍ ኣብ ካልእ መዓልትታት ኬቐምጦ ኣይፍቀደሉን እዩ። ኣብ ኣፓርታማታት ሓድሓደ ግዜ ፍሉይ ኮንተይነራት ጐሓፍ ኣሎ። ገለ ሕቶታት እንተ ኣልዩካ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ወይ ጐረባብቲ ኺሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ፍሉይ ጎሓፍ

ፍሉይ ጎሓፍ (Sonderabfälle) ብፍሉይ ክእለዩ ኣለዎም። መርዛማት ጎሓፋት ንከባቢ ክብክሉ ወይ ኣብኡ ነዊሕ ከጸንሑ ይኽእሉ: ንኣብነት: ሕብሪ ቀለማት: ቀመማት: ባተሪ: ናይ ኤለትሪክ ኣቕሑ: ኤለትሪክ ዝቑጥቡ ላምባታት ልቺ: ወይ ዝወደቐ መድሃኒት ዝኣመሰሉ ኢዮም። እዚእቶም ምስ ናይ ገዛ መግቢ ተረፍ ጎሓፍ ብፍጹም ክሕወሱ የብሎምን። እዚኣቶም ካብቲ ዝተገዝእሉ ቦታ ክጎሓፉ ኣለዎም። እቲ መስራሒ ወይ ኣፍራዪ ትካልን እቲ ሸያጢ ትካልን ነዚኣቶም ኣብ ምእላይን ምጉሓፍን: ካብ ተጠቃሚ ብዘይ ክፍሊት ክቕበልዎምን: ግዴታን ግቡእን ኣለዎም።