ሞያዊ ስልጠና / ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ

ድሕሪ መሰረታዊ ግዴታዊ ትምህርቲ: መብዛሕትኦም መንእሰያት ንሓደ ሞያዊ ስልጠና ንምቕጻል ይውስኑ። ኣብ ሓደ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክመሃር ዝደሊ: ከም ሕጊ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ብስለት ትምህርቲ ምስክርነት ከርኢ ኣለዎ። እዚ ከኣ ኣብ ዓንኬል ሞያዊ ስልጠና/ትምህርቲ ይከኣል እዩ።

ትርጉም ሞያዊ ስልጠና

ጽቡቕ ትምህርትን ኣብ ሞያ ዘለዎ ቦታን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ድሮ እኳ ኣብ ናይ ግድን ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ዓወታት ነቲ ዳሕራይ ክመጽእ ዝኽእል ነገራት ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። መንእሰያት ግዴታዊ ትምህርቲ ምስ ተማህሩ ንስራሕ ጽቡቕ ናይ መጀመርታ ነጥቢ (Sekundarstufe II) ንምፍጣር እተፈላለየ ኣማራጺታት ኣለዎም። ተወሳኺ ስልጠና እንተ ዘይረኺብካ ጽቡቕ ስራሕ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። ምኽሪ ስራሕን ሞያዊ ተመኩሮን Glarus ንመንእሰያትን ንወለድን ብዛዕባ ስልጠናን ተወሳኺ ትምህርትን ብናጻ እዩ ዚመኽሮም።

ሞያዊ መሰረታዊ ስልጠና

መብዛሕትኦም መናሰያት ድሕሪ መሰረታዊ ግዴታዊ ትምህርቲ ሞያዊ መሰረታዊ ስልጠና (Berufslehre) ይደልዩ። ኣብ ናይ ሞያ ትምህርቲ እቶም መንእሰያት ኣብ ሓደ ትካል ግብራዊ ንጥፈታት ነቲ ሞያ ዘድሊን ኣብ ጎድኑ ከኣ ሓደ ናይ ሞያ ትምህርቲ ይኸዱ። ካብ 250 ንላዕሊ ዝኾኑ ዓይነት ናይ ሞያ ትምህትታት ኣለዉ። እዚ ናይ ስራሕ ትምህርቲ ካብ 2 ክሳብ 4 ዓመት ይጸንሕ። መንእሰያት ባዕሎም ንዕኦም ዝሰማማዕ ኣብ ሓደ ትካል ናይ ስራሕ ትምህርቲ ይደልዩ። እቲ ምድላይ ኣቐዲሙ ኣብተን ክልተ ናይ መጨረሽታ ናይ ግዴታዊ ትምህርቲ ዓመታት ይጅመር።ቤት ትምህርቲ ንተማሃሮኡ ኣብዚ ምድላይ ይሕግዞም። ኣብዚ ግን ንወለዲ ውላዶም ይሕገዙ ከምዘለዉ ምሕባር የድሊ። እንተላይ ምኽሪ ስራሕን ሞያዊ ተመኩሮን Glarus ንተመሃሮ ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ዝተፈላለየ ምኽሪን ሓበሬታን ይህቦም። ናይ ስራሕ ትምህርቲ ዝዛዘሙ መንእሰያት: ንናይ ሞያ ብስለት ትምህርቲ (Berufsmaturität) ከመልክቱ ይኽእሉ ኣዮም። ኣዚ ወይ ኣብ ግዜ መሰረታዊ ሞያዊ ስልጠና ወይ ናይ ስራሕ ትምህርቲ ምስወድኡ ክገብርዎ ይኽእሉ።

ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ

ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ (Mittelschulen) ሓደ ሰፊሕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ይህቡ። እዚ ትምህርቲ ንሓደ ኣካዳሚያዊ ስልጠና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ክኢላዊ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ (Universitäten oder Fachhochschulen) የዳሉ። ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ: ከም ናይ ጂምናዝዩም ብስለት ትምህርቲ (gymnasiale Maturität) ዝዛዘመን ከም ናይ ክኢላዊ ወይ ሞያዊ ብስለት ትምህርቲ (Fach- oder Berufsmaturität) ዘቕረቡ ኣብ ክልተ ይምቀል።ናይ ጂምናዝዩም ብስለት ትምህርቲ ብዘይ ፈተና ናብ ዩኒቨርሲቲ ክትእቱ የኽእል።ናይ ሞያ ወይ ናይ ክእላዊ ብስለት ትምህርቲ ከኣ ብዘይ ፈተና ናብ ክኢላዊ ላዕለዋይ ደረጃትምህርቲ ክታኣቱ የኽእል። ኣዘን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲታት: ንናይ ጂምናዚዩም ብስለት ትምህርቲ ዘለዎም ክፉታት: እቶም ዩኒቨርሲታት ከኣ ናይ ክኢላዊ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ሞያዊ ብስለት ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት (ብሓደ ፈተና) ክፉታት እዮም። ከከም ኩነታቱ ግን ተወሳኺ ጠለባት ይግበረሎም።

መሰጋገሪ ድልድል ኣቕርቦታት

ድሕሪ ግዴታዊ መሰረታዊ ናይ ትምህርቲ ግዜእኦም ናብ ካንቶን Glarus ዝመጽኡ መንእሰያት: ሓደሓደ ፍሉጣት ረቓሒታት ድሕሪ ምምላእ ናብ ሓድ መሰጋገሪ ስልጠና (Brückenangebot) ናይ ትካላዊ-ኢንዱስትርያዊ ቤት-ትምህርኢ ሞያ ክሳተፉ ይኽእሉ። እቲ ዝኸበደ ጎድኒ ናብ ስራሕ ዓለም ኣብ እትኣትወሉ ግዜ ይኸውን። ሓደ መሰጋገሪ ድልድል: ንመንእሰያት ናይ ስራሕ ትምህርቲ ወይ መለማመዲ ስራሕ ንክረኽቡ ይሕግዞም። ተገዳስነት ዘአዎ ናብ ትካላዊ-ኢንዱስትርያዊ ቤት-ትምህርቲ ሞያ ወይ ኣብ ምኽሪ ስራሕን ሞያዊ ተመኩሮን Glarus ክውከስ ይኽእል።