ብእግሪ ወይ ብብሽግለታ (Velo) ምጉዓዝ
ካንቶን/ክፍለ-ሃገር Glarus ንምዝዋር ብሽግለታን ምዝዋርን ኣዝዩ ምቹእን ውሑስን ኢዩ። ንሓጺር መንገዲ ብዙሓት ሰባት መካይኖም ከምዘይናቶም ይርእይወን።ኣብ ብዙሕ ቦታታትናይ ብሽግለታ ወይ ናይ ኣጋር መንገዲ ኣሎዉ። ኣጋር ተጛዓዝቲ ኣብ ኩሉ ናይ ኣጋር ምልክት ብጫ ሕንጻጽ ዘለዎ ጽርግያታት: (ብዘይካ ናይ መንራህቲ ሴማፈሮ ምልክት ሕግታት ዘለዎ) ብእግሪ ክጛዓዙ ከለዉ ቀዳምነት ኣለዎም። ኣብ ካንቶን ኣርጋው ብዙሕ ናይ ብእግሪ ትዛወረሉን: ተፈጥሮ እትርእየሉን ናይ ዕረፍቲ ግዜ እተሕልፈሉን ቦታታት ንምኻድ ዘኽእል ብዙሕ መንገዲታት ኣሎ። ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝግበረሉ መንገዲ ብብጫ ሕብሪ ዘለዎ ታቤላ ተመልኪቱ ይርከብ።