ፖለቲካ

ኣብ ስዊስ ናይ ፖለቲካ ስልጣን ኣብ ሰለስተ ይኽፈል። መንግስቲ: ካንቶን(ኣባላት ሃገር)ን ምምሕዳር ከባቢን። ስዊሳዊያን ኣብ ግዜ ምርጫ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ይውስኑ።

ሃገረ ስዊስ

ሃገረ ስዊስ (Bund) ካብ 1848 ኣትሒዛ ኔራ። ርእሲ ከተማኣ ከኣ በርን ኢያ።ሓድነት ስዊስ ኣብ ብሔር: ሃይማኖትን ቛንቛን ዝተመስረተ ኢዩ። ኩሎም ባህልታት ብነጻ ድልየት ብሓባር ዝተጠርነፉ ኮይኖም: ሰብ " ሃገረ-ድልየት" (Willensnation) ኢሉ ይሰምያ። ስዊስ ኣብ ዓለምለኻዊ ፖለቲካ ሻራ ዘይብላ ሃገር ኢያ።

ፈደራላዊ ስርዓት

ኣብ ስዊስ ኩለን ካንቶናትን ምምሕዳር ከባቢታትትን ናይ ገዛእ ርእሰን መሰል ምውሳንን ምምሕዳርን/ ርእሰ ውሳኔ/ምሕደራ/ ኣለወን: እዚ ከኣ ፈደራላዊ ስርዓት ይበሃል። እተን 26 ካንቶናትን ልዕሊ 2000 ምምሕዳር ከባቢታትን ምሉእ መንግስታዊ ትሕተ-ቅርጺ ኣለወን። ካንቶን Glarus ናይ ገዛእ ርእሳ ቅዋምን መንግስታዊ ምሕደራን: ባይቶን ቤት ፍርዲን ኣለዋ። ንብዙሓት መንግስታዊ ስርሓት ካንቶንን ምምሕዳር ከባቢታትን ሓላፍነት ይስከሙ። ኣብዚ ከም ኣብነት ናይ ትምህርቲ ስርዓት ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን ሕግታቱ ይፈላለ። ኣብ ናይ ምሉእ ስዊስ ስርዓተ መንግስቲ ሕግታት እዚ ናይ ካንቶንን ናይ ምምሕዳር ከባቢን ሕግታት: ኣብ ዝምልከቶም ቦትታት ከም ቅቡላት ኮይኖም ይምዝገቡ። ምምሕዳር ከባቢታት ሓድሓደ ሕግታት ክገድፉ ይኽእሉ። ንምቁጽጻር ዕዮታት ካንቶንን ምምሕዳር ከባቢን ቀረጽ/ ግብሪ ልክዕ ከም መንግስቲ የኽፍሉ።

ምምቕራሕ ስልጣን

ስልጣን ኣብ ሓደ ንኸይጥቕለል ንኩሉ ክከፋፈልን ኣብ ሃገረ ስዊስን ኣብ ካንቶናትን ስልጣን ኣብ ሰለስተ ርእሰን ዝኸኣላ ኣካላት ይኽፈል። ንሳተን ከኣ ሓጋጊ ኣካል: (gesetzgebende Gewalt), ፈጻሚ ኣካል (gesetzesausführende Gewalt) ፈራዲ ኣካልን (richterliche Gewalt) እዮም። ኣብ ካንቶን Glarus እዚ ዝስዕብ ሰበ-ስልጣን ነዚ ዝስዕብ ዕዮታት ይፍጽምዎ ኢዮም - ሓጋጊ - ላንድገመይንድ ከምኡውን ላንድራት (60 ኣባላት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ብህዝቢ ዝምረጹ)፣ ኣካያዲ ስራሕ፦ ባይቶ መንግስቲ (5 ኣባላት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ብህዝቢ ይምረጹ)፣ ቤት ፍርዲ፦ ኣብ ካንቶን እተፈላለየ ኣብያተ ፍርዲ።

ምምሕዳር ከባቢታት ክኣ ሓጋጊ/ Legislative ናይ ምምሕዳር ዋዕላ (Gemeindeversammlung) ከምኡ ድማ ፈጻሚ /Exekutive (ናይ ከተማ ዋዕላ, Gemeinderat) ኣለዎ። ብደረጃ ሃገር ሓጋጊ ኣካል ክልተ ክፋላት: ሃገራዊን ቆዋሚን ቤት-ምኽሪ (National- und Ständerat) ኣለዎ። ሃገራዊ ርእሰ-ሃገር (7 ኣባላት) ቡንደስራት (Bundesrat) ይበሃሉ።ብሃገር ደረጃ : ዝተፈላለዩ ቤት-ፍርዲ ኣለዉ። ሃገራዊ ቤት-ፍርዲ: ከም ዝለዓለ ፈራዲ ኣካል ኩሉ ናይ ካንቶናት ውሳኔታት ናብኡ ይመሓላለፍ።

ዲሞክራሲያዊ መሰል

ስዊሳዊያን ናይ ድምጺ ምሃብን መሰልን ናይ ምምራጽ መሰልን ኣለዎም። ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ብደረጃ ካንቶንን ብደረጃ ሃገርን ባዕሎም ምርጫ ከካይዱ ይኽእሉ። ብተወሳኺ ዜጋታት ስዊስ ኣብ ህዝባዊ ምድማጽ ንፖለቲካዊ ስርሓት ብምምሕዳር ከባቢ: ብካንቶን ብሃገር ደረጃ ይውስኑ(ቀጥታዊ ዲሞክራሲ)። ብተበግሶን ጎስጝስን ህዝቢ: ዜጋታት ስዊስ ናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶ ኣብ ምርጫ ከቕርቡ ይኽእሉ። ወጻእተኛታት ኣብ ካንቶን Glarus ዝነብሩ ናይ ምርጫ መሰል የብሎምን። ይኹን እምበር ናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶ ብምእካብ ጥርዓን ናብ ሰበ-ስልጣን ስዊስ ክልእኩ ይከኣል። ብተወሳኺውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቲኦክራስያውያን ጕጅለታት ተገዳስነት ወይ ማሕበራት ናይ ምእታው ኣጋጣሚ ኣሎ።

መሰረታዊ መሰላት

ንመሰል ዝምልከት መሰረታዊ ሓረጋት ጽሑፍ ሕግታት ናይ ስዊስ ኣብ ሃገራዊ ቅዋም (Bundesverfassung) ተመዝጊቦም ይርከቡ። እቶም ቀንዲ ናይ መንግስት ቅዋም ኣቒሞም ዘለዉ: መስረታዊ መሰላት:ኣብ ናይ ኤውሮፓ ሰብኣዊ መሰላት ውዕል (EMRK) ዝጸደቑ እዮም። እዚኦም ንህላወ ደቂ ሰባት ( ንኣብነት ናይ ምንባር መሰል: መሰል ሓገዝ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት): ካብ መንግስታዊ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ወይ ጉጅለታት ካብ ናይ ብዙሓን ወገን ይከላኸሉ። እዚኦም ዋላ ሓደ ሰብ ብምኽንያት መበቖሉ: ዓሌቱ: ሃይማኖቱ ወይ ጾታኡ ወይ ብምኽንያት ጾታዊ ርክቡ ከይንጸልን መሰሉ ከይገሃስን ይከላኸሉ። ግዳይ ዓሌታዊ ፍልልይ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ካንቶን Glarus ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ናይ ምኽሪን ደገፍን ሓገዝ ይረኽቡ። ኣብ ስዊስ ናጽነት ሃይማኖት: ርእይቶ ምሃብን ናይ ጽሑፍ ምዝርጋሕን ዝተሓለወ ኢዩ።