ሜላ/ኣገባብ ምሕበራዊ ድሕነት

ነበርቲ ስዊስ ብመንገዲ ማሕበራዊ ድሕነት ካብ ዝተፈላለዩ ሓደጋታት ይሕለዉ / መከላኸሊ ይገብሩ። እቲ ናይ ድሕነት ዋሕስ ንኣብነት ሓደ ሰብ ካብ ስራሕ ምስዝስጞግ: ወይ ምስ ዝሓምም ይሕገዝ። ንስድራቤትን ንጡረታ ዝወጽኡ ኣረገውቶትን ይሕግዝ።

መሰረታዊ ሓረጋት / ሓሳባት

እዞም ናይ ድሕነት ውሕስነት ብመንገዲ ነበርቲ ስዊስ ይምወሉ። በዚ መሰረት ናይ ሓድነት ሕግታት: መብዛሕትኡ ነባሪ ህዝቢ ይኸፍል: ገለ ፍሉጣት ውሑዳት ወገናት ከኣ በዚ ሓገዝ ይረኽቡ። መብዛሕትኦም ማሕበራዊ ድሕነት ውሕስነት ናይ ግድን እዮም ክትኣትዎም። እቲ ዝግበር ክፍሊት ካብ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ብቀጥታ ይቑረጽ። ወሃብ ስራሕን ነብሶም ክኢሎም ዝንቀሳቐሱ ውልቀ ሰባትን ስራሕ ዘይብሎም ሰባትን ነዚ ዝምልከት ገንዘባዊ ክፍሊት/ውጽኢት ይኸፍሉ ኢዮም።

ውጽኢታት / ክፍሊት

ናይ ሕዝባዊ ናይ ድሕነት ውሕስነት ንሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ጸገማት ይሕግዝ። እቲ ንመዓልታዊ ነግራት ዘድሊ ገንዘብ ይኸፍል: ጡረታ ወይ ናይ ኣበል ገንዘብ: ኣብ ግዜ ሕማምን ሓደጋን ንሕክምና ዝኽፈል ገንዘብ ይሽፍን። ናይ ሕዝባዊ ናይ ድሕነት ውሕስነት ሕግታቱ ብመንግስቲ ዝተፈልጠ ኢዩ።

ሰባት መዓስ ሓገዝ ይረኽቡ?