ናይ ጥዕና ሜላን ኣገባብን

ናይ ጥዕና ሜላ ኣብ ስዊስ ብጽብቕን ጽፉፍን ዝተመስረተ ኢዩ። ነበርቲ ስዊስ ብጥሙርን ግዴታን ናይ ጥዕናን ሓደጋን ድሕነት ይኣትዉ። ብዙሓት ናይ ጥዕና ማእከላት: ቤትመሸጣ መድሃኒት: ናይ ገዛ ሓኪም ማእከል: ኩሉ ንጥዕና ዝምልከት ጉዳያ ብዕቱብ ይከታተልዎ።

ኣገባብ / ሜላ ናይ ጥዕና ድሕነት

ኣብ ስዊስ ኩሎም ነበርቲ ንጥዕናን ሓደጋ ምስዘጋጥምን ድሕነት ወይ ውሕስነት ክኣትዉ ይግባእ። ናብ ስዊስ ዝኣቱ ኩሉ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ውሕስነት/ድሕነት ክኣቱ ይግባእ። ዝውለዱ ሕጻናት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምውላዶም ውሕስነት ክእተወሎም ይግባእ።ንጥፈታት ኣድላይነት ናይ ዚ ግቡእ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት ብሕጊ ዝተሓንጸጹ እዮም።ኩሉ ውሕስነት ዝኣተወ ሰብ በቲ ዝድለ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረክብ መሰሉ እዩ*

ምወላ

ናይ ስዊስ ናይ ጥዕና ሜላን ኣገባብን: ካብ መንግስቲ: ካንቶን: ምምሕዳር ከባቢ: ኣስራሕቲን ውልቀስባትን ብሓባር ይምወል። ውልቀስባት ንሕማምን ሓደጋን ምስዘጋጥም ዝውዕል መሰረታዊ ግቡእ ውሕስነት/ድሕነት ወርሓዊ ይኸፍሉ።እዚ መጥኑ ዓመት መጸ ይውሰን: ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን ከኣ ይፈላለ። ዝሓመመ ወይ ሓደጋ ዘጋጠሞ ሰብ: ነቲ መሐከሚኡ ዝኸውን ክፍሊት ብኸፊል ይሽፍን።እዚ ባዕልኻ እትሽፍኖ ዕሽር (Franchise und Selbstbehalt) ናይ መሐከሚ ዋጋ እዩ። ኣብዚ ግን ሓደ ውሱን ናይ ዓመት ክፍሊት ኣሎ።

ምትርጓም

ብሓደ ዘይትፈልጦ ቋንቋ: ምስ ሓኪም: ዋና ቤት መድሃኒት ወይ ምስ ሓኪም ገዛ ክትረዳዳእ ቀሊል ኣይኮነን። ገለ ገለ ሕክምናታት ብነጻ ከይከፈካ ካብ ውሽጢ ባህሊ ዝፈልጡ ተርጎምቲ የዳልዉ። ተርጓማይ ምስዘድልዮም እቶም ተሓከምቲ ኣቐዲሞም ክሕብሩ ይግባእ። እቶም ተርጎምቲ ከኣ ንካልእ ሓኪም ኣቐዲሞም ተታሒዞም ክኾኑ ይኽእሉ ኣዮም። ኣብዚ ኩነታት ባዕልኩም ክትከፍሉ ትግደዱ።