ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና

ኣብ መንጎ ስነ-ኣእምሮኣዊን ኣካላዊን ጥዕና ኣብ ስዊስ ፍልልይ የብሉን። እቲ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት ንኩሉ ሕማም ንናይ ኣእምሮ ከይተረፈ ዝግበር ፍወሳን ምርመራን ብክኢላታት ይኹን ኣብ ማእከል ጥዕና: ኩሉ ወጻኢታት ይሽፍኖ።

ደገፍን ምኽሪን

ኣብ ስዊስ ንስድራ ቤት ወይ ንውልቀ ሰብ ዝምልከት ኩነታት ጥዕና ዝሕግዙን ዘማኽሩን ላዕለዎት ክኢላታት ጥዕና ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚ ቀጻሊ ሓገዝ ይገብሩ። እቲ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት (Grundversicherung ) ነቶም ብሕጊ ተፈላጥነት ዘለዎም ክኢላታት ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓካይም ንዝገብርዎ ፍወሳን ክንክንን ይኸፍሎም።ነዚ ኣገልግሎት ዝህባ ናይ ሕክምና ትካላትዊን ከምኡ ይኽፈላ። ኩሉ ጸገም ዘለዎ ሰብ ከኣ ኣብዞም ትካላት ይምዝገብ።ከምዚ ምኽሪ ኩሉ ብሕጊ ዝፍለጥ ኢድ (Dargebotene Hand)ብተሌፎን: ብቻት ወይ ብኢ-መይል (ተሌፎን:143, www.143.ch) ምውካስ ይከኣል። ኣብዚ ናይ ገዛ ሕኪም ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሰብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ምስዝኸውን: ኣብ ገዛእርእሱ ወይ ኣብ ካልኦት ሓደጋ ከይገብር ምስዘስግእ: ብዝቀልጠፈ ክግታእ ኣለዎ። ኣብ ከምዚ ኣጋጥሚ ንፖሊስ ምህባር የድሊ( ተለፎን: 117)።

ቆልዑትን መንእሰያትን

ንመንእሰያት ናይ ስነ-ኣእምሮ ጭንቀት ዘለዎም እቲ ኣምቡላንት ናይ ቆልዑትን መንእሰያትን ኣገልግሎት (kjpd) ሓደ ዝበልጸ መበገሲ ማእከል እዩ። ወለዲውን ብዛዕባ ደቆም ዝሽገሩ እንተኮይኖም: ኣብኡ ክውከሱ ይግባእ።እዚ ብነጻ ዝፍውስን ብዘይቅድመ ኩነት ዝሕግዝን ናይ ቆልዑትን መንእሰያትን ወሃብ ኣገልግሎት ሓደ ናይ ህጹጽ ናይ ቆዑት መደወሊ ተለፎን (Kindernotruf)ብተለፎን: ብቻት ወይ ብኢ-መይል (Tel. 147, www.147.ch) ኣገልግሎት ኣለዎ። ኣብ ግዜ ናይ ስነ-ኣምሮእዊ ጭንቀት ናይ ቆልዑት: ሓደ ማእከል መመርመሪ ንቆልዑትን መንእሰያትን (ZAKJ) ዝበሃል ትካል 24 ሰዓት ብቁጽሪ ተለፎን 056 462 21 20 ክትውከስ ይከኣል።

ናይ ወልፊ ሕማማት

ንወልፍታት ብዚምልከት ማእከል ምኽርን ሕክምናን (Sonnenhügel) ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። እዚ ኣቕዋም እዚ ምስጢራዊ ምኽርን ደገፍን ይህብ። ብዛዕባ ኣዝማድካ ወይ ብዛዕባ ናይ ቀረባ ሰባት ትጭነቕ እኳ እንተ ዀንካ ምስቶም ምኽሪ ዚወሃበሉ ማእከላት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ወልፊ ሓሽሽ ጥራይ ኣይኰነን። እቲ ምኽሪ ዚወሃቦም ማእከላት ወልፊ ምጥላዕ ወልፊ ዕዳጋ ወልፊ ኢንተርነት ከምኡውን ምምዝባል ኣመጋግባ ዝኣመሰለ ኻልእ ወልፍታት እውን ይሕግዝ እዩ። ሕቶታት ብኢ-መይል እውን ኪሕተት ይኽእል እዩ።

ምስንባድ / ምርዓድ

ኣብ ሂወቱ ብዙሕ ሕማቕ ዝተጋጠሞ ሰብ: እሞ ነዚ ብዓቕሙ ክብድሆ ምስዘይክእል: ሓገዝ ወይ ደገፍ ክረክብ ይኽእል። ምርዓድ ወይ ምስንባድ: ብዕቱብ ዝውስኽ ዘሎ ናይ ኣእምሮ ሕማም ኢዩ።ኣብ ርእሲ ቲ ናይ ምኽርን ደገፍን ቀረባት ንስነ ኣእምሮእዊ ሕማምን ጸገምን ዘለዎም ሰባት: ሓደ ፍሉይ ናይ ክኢላታት ማእከል መፈወሲን ነቶም ግዳያት ናይ ውግእን ግፍዒን ኣሎ።