ባቡርን ኣውቶቡስን

ህዝባዊ መጉዓዝያ ኣብ ስዊስ ኣዝዩ ጽቡቕ ትሕተ-ቅርጺ ኣለዎ። ብቐሊሉ ኩሉ ቦታታት ብባቡር ወይ ባውቶቡስ ክትበጽሖ ይከኣል። ናይ መጉዓዝያ ኣገልግሎት ብስሯዕ ልክዕ ኣብ ግዜአን ኣብ ዝተመደበልን ናይ ግዜ ፍልልይ ይጞዓዛ።

ህዝባዊ መጉዓዝያ

ህዝባዊ መጉዓዝያr (ÖV) ኣብ ስዊስ ልዑል ዋጋ ኣለዎ።ኩሉ ቦታታት ኣብ ሰዓት ብዙሕ ግዜ ክትበጽሐን ይከኣል። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ብዙሓት ተጛዕዝቲ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ይጥቀሙ። መጉዓዚ ዋጋ ብተዛማዲ ክቡር ኢዩ። ነዚ ንምቅላል ገንዘብ ንምቁጣብ ግን ዝተፈላለየ ተኽእሎታት ኣሎ። ኣቦኖሚ/ንዝተናውሐ ግዜ ዝኽፈል: ወይ ናይ ሕሱር ዋጋ ትኬት ምግዛእ ይከኣል። ብተዛማዲ ሕሱር ዝኾነ ፍርቂ ዋጋ ትኬት (Halbtaxabo) ንኣብነት ናብ ምሉእ ስዊስ ዘገልግል ፍርቒ ዋጋ ዝገብር ትኬት ንዓመት ዘገልግል ምግዛእ ይከኣል።

ምጉዓዚ ትኬትን ኣቦነሜንትን / ንነዊሕ ግዜ ዘገልግል ትኬት

ባቡር ጌሩ ክጎዓዝ ዝደሊ ሰብ ኣቐዲሙ ናይ መጉዓዚ ትኬት (Billett) ክገዝእ ይግባእ። ኣብ ባቡር ትኬት ምግዛእ ኣይከእልን ኢዩ። ኣብ ኣውቶቡስ ግን ዝተፈላለየ ሕጊ ኣሎ። ኣብ ኩሎም መደበር ባቡራትን ኣብ ናይ ኣውቶቡስ ጠጠው ዝብላሉ ቦታታትን ናይ ትኬት መቑረጺ ማሽናት/ኣውቶማት ኣለዋ። ኣብ ዕበርይቲ መደበር ባቡራት ናይ ትኬት መሽጢ ባንኮ ውን ኣሎ። ትኬት ኣብ መስመር ኢንተርነት ወይ ኣብ ናይ ኢድ ተለፎን ክትገዝእ ይከእል። ብዙሕ ግዜ ብህዝባዊ መጉዓዝያ ዝንቀሳቐሱ ሰባት: ዝተፈላለየ ናይ ነዊሕ ግዜ ትኬት /ኣቦነሜንት/ ክገዝኡ ይምረጽ። እዚ ናይ ዝተወሰነ መስመር ጉዕዞ: ናይ ዝተወሰነ ቦታ/ከባቢ/ ወይ ከኣ ኣብ ምሉእ ስዊስ ዝርከባ መጉዓዝያ ዘገልግል ሓፈሻዊ ትኬት/ኣቦነንት (Generalabonnement) ምግዛእ ይከኣል። ክሳብ 16 ዓመት ዕድሜኦ ምስ ወለዲ ወይ ምስ ኣቦ/እኖሓጎ ብዘይ ገለ ናይ መጉዓዝያ ክፍሊት ኣብ ስዊስ ክትጙዓዝ ይከኣል: ናይ ጅኒዮር ወይ ናይ ደቂ-ሓጎ (Junior- oder Enkelkarte) ምስዝህልወካ: ብነጻ ትጎዓዝ። ቆልዑት ትሕቲ 6 ዓመት ዝዕድሜኦም ብነጻ ይጎዓዙ። ሓበታ ንትኬትን ኣቦነንትን ዝምልከት: ካብ ናይ ስዊስ መንገታዊ ናይ ሓዲድ ትካል (SBB) ወይ ካብ ናይ ኣውቶቡሳት ትካላት ክርከብ ይከእል።

ካንቶን Glarus Ostwind

ኣብ ዉሽጢ ካንቶን Glarus እቲ Ostwind ዝባሃል ናይ ታሪፍ ጥምረት (Tarifverbund) ኖርማል ቲኬት: ናይ ምሉእ መዓልቲ ቲከትን: ወርሐዊ ቲኬትን ዝምልከት ፍሉይ ዋጋ የቕርብ። እቲ ቦታ ወይ ከባቢ ኣብ ብዙሓት ዞባታት ዝተኸፍለ እዩ። እቲ ማዕልታዊ: ወርሐዊ ወይ ዓመታዊ ዝቁረጽ ቲኬት ኣብ ዉሽጢ እቲ ዝተገዝኣሉ ዞባ ኣብ ባቡራት ይኹን ኣውቶቡስ ይሰርሕ። ካብቲ ከባቢ ወይ ዞባ ወጻኢ ክንቐሳቐስ ዝደሊ ተወሳኺ ካልእ ቲኬት የድሊዮ።

ናይ ምሉእ መዓልቲ ትኬት ናይ ምምሕዳር ከባቢ

ኣብ ውሽጢ ስዊስ ሓደ ነዊሕ ናይ መዓልቲ ጉዕዞ ዝምድብ ሰብ: ካብ ብዙሓት ምምሕዳር ከባቢታት ናይ ምሉእ መዓልቲ ትኬት(Gemeindetageskarte) ብዝሓሰረ ዋጋ ክገዝእ ይኽእል። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ናይቲ ከባቢ ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ይሕብር።

ናይ ለይቲ ናይ መጉዓዝያ መስመራት

ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ካንቶን Glarus: ኣውቶቡሳትን ባቡርን ኣምስየን ናይ ለይቲውን ከይተረፈ ኣገልግሎት ይህባ። ተጠንቀቕ: ኣብዘን ናይ ለይቲ መስመራት ፍሉይ ክፍሊት ታሪፍ ኣሎ።