መሰልን ግዴታን ወለዲ

ሓደ ሕጻን ዝወለደ ሰብ: ብቁልጡፍ ነቲ ሕጻን ኣብ ናይ ህዝቢ መዝገብ/ ሲቪልስታንድ/ ከመዝግቦ ይግባእ።ኣብ ዝተመርዓዉ ወለዲ: ውሉድ ኣብ ምክንኻን ዝምልከት ሓላፍነት ናይ ክልቲኦም ብቀጥታ ይምዝገብ: ኣብ ብሕጊ ዘይተመርዓዉ ግን: ነዚ ዝምልከት እቶም ወለዲ ባዕላቶም ከነጽርዎ ይግባእ።

መሰልን ግዴታን ወለዲ

ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ክውለድ ከሎ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሲቭል (Zivilstandsamt) ክቐርብ ኣለዎ። ኣቓልቦ፦ ኣየናይ ቤት ጽሕፈት ሲቭላዊ ምዝገባ ብሓላፍነት ዚሕተተሉ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ምዝገባ ደኣ እምበር ኣብ ምምሕዳር ከተማ ወለዲ ኣይኰነን ዚምርኰስ። እቲ ሕጻን ኣብ ሆስፒታል እንተ ተወሊዱ እቲ ሆስፒታል መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ሰነዳት ናብቲ ሓላፍነት ዘለዎ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ይልእኽ። እቲ ሕርሲ ኣብ ሆስፒታል (ንኣብነት ኣብ ቤት) እንተ ዘይተገይሩ እቲ ሕርሲ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ጸብጻብ ክወሃቦ ኣለዎ። እቲ ሓላፍነት ዚስምዖ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ሲቪል ኣየናይ ሰነዳት ከም ዜድሊ ይሕብር። ኣብ ስዊዘርላንድ እተወልዱ ቘልዑ ዜግነት ስዊዘርላንድ ብኡንብኡ ኣይረኽቡን እዮም።

ናይ ኣቦነት ተፈላጥነት

ብሕጊ ዝተመርዓዉ ሰባት ምስዝወልዱ: እቲ በዓል ቤት ሰብኣይ ብቀጥታ: ከም ኣቦ ይፍለጥ። እቲ ኣቦ ኣብዚጉዳይ ምስዘይ ኣምነሉን ምስዝጠራጠርን: እቲ ኣቦነት ብሕጊ ንክነጸግ ክጠርዕ ይከኣል።እቶም ወለዲ ዘይተመርዓዉ ምስዝኾኑ ግን: እቲ ኣቦ ብቐጥታ ከም ኣቦ ኣይምዝገብን ኢዩ። ኣብዚ እቲ ኣቦ: ኣብ ክፍለ-ሃገራዊ ሲቪላዊ ምምሕዳር ቤ/ጽ: ቅድሚ ሕጻን ምውላዱ ወይ ድሕሪ ምውላዱ: ከም ኣቦ ተፈላጥነቱ ክምዝገብ ይከኣል። እቲ ኣቦ ነቲ ውላድ ካም ኣቦ ተፈላጥነት ክወስድ ዘይቅበሎ እንተኮይኑ ግን: እታ ኣደ ኣብ ቤት-ፍርዲ ቀሪባ ኣቦነት ከትፍልጥ ትኽእል ኢያ።

ናይ ወለዲ ምእላይ / ምክንኻን ሓላፍነት

ወለዲ ናይ ውላዶም ድሕነትን: ጽቡቕ መዕበያን: ሓልዮትን ኣተኣላልያን መዕባያ (elterliche Sorge) ዝምልከት ምሉእ መሰልን ግቡእን ኣለዎም። ነዚ ዝምልከት: ንኣብነት: ኣተዓባብያ: ወይ ገንዘባዊ ሓገዝ:ኩሉ መነባብሮን እዮም። ወለዲ ንውሉዶም ኣብ ኩሉ ሕጋዊ መዳያት ክሳብ ደቂ 18 ዝኾኑ ይውክልዎም ወይ ሓላፍነት ይወስድሎም። ወለዲ ብሕጊ ዝተመርዓዉ እንተኮይኖም: ብቀጥታ መሰልን ግቡእን ንውላዶም ዝምልከት ይህልዎም። ዘይተመርዓዉ እንተኮይኖም ግን: እቲ ኣቦ ነቲ ውላድ: ከም ኣቦ ተፈልጥነት ክወስድ: ክገብር ኣለዎ። ድሕሪዚ ወለዲ ብነጻ ድልየቶም: ናይ ሓብር ናይ ውላድ ምሕላይን ምክንኻንን ብጽሑፋዊ መብርሂ ዝተሰነየ (gemeinsame elterliche Sorge) የቕርቡ። ነዚ ኣብ ናይ ህዝቢ መዝገብ: ኣብ ንውላድ ተፈላጥነት ዝወሃበሉ ግዜ: ኣብ ናይ ህዝቢ መዝገብ ማእከል: ወይ ከኣ ጸኒሖም: ኣብ ናይ ዞባ ናይ ህዝቢ መዝገብ ማእከል: ኣብ ናይ ሕጻናትን ቆልዑትን ተጣበቕቲ መሰል ሰበ-ስልጣን (Kindesschutzbehörde, KESB): ይፍጸም። ኣብዚ እቶም ዘይተመርዓዉ ወለዲ ኣብ መዕበያን ምክንኻንን ውላድ: ዘይምርድዳእ ምስዝህልዎም: እቲ ተጣባቒ መሰል ሕጻናትን ቆልዑትን ይውስን። ነዚ ዝምልከት ሕቶ ዘለዎ ወይ ሓገዝ ዝደሊ: ኣብ KESB ምዉካስ ይካኣል።

መነባብሮ

ከልተ ወለዲ እንተተፈላልዮም: ነቲ ውሉድ ክከናኸንዎ: ክልቲኦም ይግደዱ: ነቲ ውሉድ ብዛዕባ መነባብሮኡ (መነባብሮኡ: Unterhalt) ክሓስቡን ክሰርሑን ይግደዱ።ነቲ ቆልዓ ዘድሊ ገንዘባዊ ጠለባትን ኣተእላልያኡን: ክልተ ወለዲ ክምድብዎ ኣለዎም። መነባብሮ ናይቲ ውላድ: ኣደን ኣቦን ይከፋፈልዎ። ክንደይን ብከመይን ነዚ ይከፋፈልዎ ንዝብል ሕቶ: ኣብ ቁጠባዊ ኩነታት ናይ ነብሲ ወከፎምን: ኣብ ምእላይ እቲ ውላድ ዘለዎም ተራን ይምርኮስ። ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ምርድዳእ እንተዘይተበጽሐ: ቤት ፍርዲ ይውስን። ዝተወሰነሉ ክፍሊት ዘይሽፍን ወገን ከኣ: ካብ ሓገዝ ኣሊመንተ ደገፍ ክትጠልብ ትኽእል። ኣብዚ ዘድሊ ሓገዝ ይግበር: ወይ ነቲ ሓገዝ ከም ኩነታት እቲ ሓታቲ ይነጽጎ። (Alimentenbevorschussung)