ናይ ምኽሪ ትካላት

ገሊኡ ምኽሪ ዚወሃበሉ ማእከላት ሓፈሻዊ ሕቶታት ኪምልስ ከሎ ገሊኡ ኸኣ ኣብ ፍሉይ ጕዳያት ወይ መዳያት ህይወት ፍሉይ ክእለት ኣለዎ። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ እቲ ቐዳማይ ምኽሪ ብናጻ እዩ ዚግበር መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ተወሳኺ ምኽሪ ይቐርብ እዩ። ገሊአን ኣብያተ-ጽሕፈት ብቛንቋ ወጻኢ እውን ምኽሪ ይህባ እየን።

ሓፈሻዊ ናይ ምኽሪ ትካላት

ሞያዊ ጨንፈር ምውህሃድ (Fachstelle Gesellschaft) ሓደ ማእከል ናይ ምኽሪ ትካል ንስደተኛታት ኢዩ። ናይዚ ትካል ሰራሕተኛታት ንሓፈሻዊ መዓልታቲ ናይ ስዊስ ንጥፈታት ዝምልከት ሕቶታት ይምልሱን ይሕግዙን። ፍሉይ ናይ ምኽሪ ትካል ንክትረክብውን ይሕግዙ።ብተወሳኪ ንሰባት ኣብ ምድላይ ንዕኦም ዝሰማማዕ ናይ ቛንቛ ጀርመን ስልጠናን: ናይ ምውህሃድ ኣገልግሎትን ይሕብሩ። ቆጸራ ብምሓዝ (ብተለፎን ወይ ብኣካል) ብዝተፈላለየ ቛንቛ ምዝርራብ ይከኣል።ብተወሳኺ ሰብ ብዘይ ቆጸራ ናብዚ ማእከል ምኻድ ይኽእል: ቆጸራ ወይ ካልእ ሓበታ ክሓትት ይኽእል። ዝወሃብ ሓበሬታን መወከሲን ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ኢዩ።
ኣብ ጎድኒ ዚ ንጽላት ቀረባት: ብዝተፈላለየ ናይ ደገ ቛንቛ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣለዉ። ኣብ ሞያዊ ጨንፈር ውህደት ብዛዕብዘን ናይ ምኽሪ ትካላት ምውካስ ይከኣል። ብተወሳኺ ናይ ስደተኛታት ማሕበር: ንጹር ሓበታ ብዝርድኣካ ቛንቛ ንምርካብ ኣገዳሲ ቦታ ኢዩ።

ናይ ከባቢ ምምሕዳር / ናይ ከተማ ምምሕዳር

ኣብ ብዙሕ ኩነታት ምምሕዳር ናይ ትነብረሉ ከባቢ (Gemeindeverwaltung) እቲ ዝበለጸ ናይ መጀመርታ መጀመሪ መስርሕ ኢዩ። ኣብ ዚ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኩሉ ሕቶታት ብቀጥታ ይምልሱ ወይ ናብ ዝምልከቶ ይመርሑ። ኩሎም ምምሕዳር ከባቢታት ናይ ካንቶን Glarus ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ኣለዎም። ኣብዚ ኢንተርነት ኣድራሻ ኩሉ መወከሲ ኣድራሻ: ናይ ስራሕ ሰዓታትን ካልእ ሓበሬታን ይሕብር።

ፍሉይ ሞያዊ ክእለት ዘለዎም ናይ ምኽሪ ማእከላት

ኣብ ቀጽሪ ኣርጋው ግላሩስ ኣብ ሓደ ጕዳይ ወይ መዳይ ህይወት ፍሉይ ክእለት ዘለዎ እተፈላለየ ምኽሪ ዚህብ ማእከላት ኣሎ። ገለ ኻብዚ ኸኣ ዕድመ ስራሕ መንበሪ ትምህርቲ ሓዳር/ፍትሕ ኣተዓባብያ ስድራቤት ገንዘብ (ዕዳ/ባጀት) ጥዕና ዘቤታዊ ዓመጻ ሓድነት ኣእምሮኣዊ ጸገማት ጥዕና ሕጻናት ጥንሲ ጾታዊ ርክብ ወልፊ ማሕበራዊ ጕዳያት ኪጥቀስ ይኽእል እዩ። ኣብ ፈለማ ዚግበር ምኽሪ መብዛሕትኡ ግዜ ብናጻ እዩ ዚግበር። ብዛዕባ ገሊኡ ምኽሪ ዚወሃሃደሉ ማእከላት ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብቲ ብዛዕባ hallo-glarus.ch ዚገልጽ ጕዳያት ተዘርዚሩ ኣሎ።
ምስ ዩኒት/ሞያዊ ጨንፈር ውህደት (Fachstelle Gesellschaft) ወይ ምስ ምምሕዳር ከተማ መንበሪ ኽትራኸብን ምሹእ ምኽሪ ዚወሃበሉ ማእከላት ክትሓትትን ትኽእል ኢኻ። ጀርመንኛ ጽቡቕ ቋንቋ ዘይትዛረብ እንተ ዄንካ ናብቲ ምኽሪ ዚወሃበሉ ማእከል ቅድሚ ምኻድካ ብዛዕባ ኣማራጺታት ትርጕም ንርእስኻ ኽትሕብራ ኣሎካ። ምናልባት ብኻልእ ቋንቋታት ምኽሪ ይቐርብ እቲ ማእከል ምኽሪ ተርጓሚ ይውድብ ወይ ንሓደ ሰብ ሒዝካዮ ኽትከይድ ትሕተት ትኸውን።

ዓሌታዊ ምፍልላይ

ኣሃዱ ሓድነት ኣብ ክንዲ ካንቶን Glarus ነቶም ግዳያት ዓሌታዊ ምፍልላይ ዝዀኑ ሰባት ዚራኸበሉ ቦታ እዩ። እቲ ምኽሪ ንተቐማጦ ካንቶን ኣርጋው ምስጢራውን ብናጻን እዩ። ብሕታዊ ምይይጥን ብተሌፎን ምምይያጥን ይከኣል እዩ።