ሓፈሻዊ ናይ ምኽሪ ትካላት
ሞያዊ ጨንፈር ምውህሃድ (Fachstelle Gesellschaft) ሓደ ማእከል ናይ ምኽሪ ትካል ንስደተኛታት ኢዩ። ናይዚ ትካል ሰራሕተኛታት ንሓፈሻዊ መዓልታቲ ናይ ስዊስ ንጥፈታት ዝምልከት ሕቶታት ይምልሱን ይሕግዙን። ፍሉይ ናይ ምኽሪ ትካል ንክትረክብውን ይሕግዙ።ብተወሳኪ ንሰባት ኣብ ምድላይ ንዕኦም ዝሰማማዕ ናይ ቛንቛ ጀርመን ስልጠናን: ናይ ምውህሃድ ኣገልግሎትን ይሕብሩ። ቆጸራ ብምሓዝ (ብተለፎን ወይ ብኣካል) ብዝተፈላለየ ቛንቛ ምዝርራብ ይከኣል።ብተወሳኺ ሰብ ብዘይ ቆጸራ ናብዚ ማእከል ምኻድ ይኽእል: ቆጸራ ወይ ካልእ ሓበታ ክሓትት ይኽእል። ዝወሃብ ሓበሬታን መወከሲን ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ኢዩ።
ኣብ ጎድኒ ዚ ንጽላት ቀረባት: ብዝተፈላለየ ናይ ደገ ቛንቛ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣለዉ። ኣብ ሞያዊ ጨንፈር ውህደት ብዛዕብዘን ናይ ምኽሪ ትካላት ምውካስ ይከኣል። ብተወሳኺ ናይ ስደተኛታት ማሕበር: ንጹር ሓበታ ብዝርድኣካ ቛንቛ ንምርካብ ኣገዳሲ ቦታ ኢዩ።