ግዱድ መርዓ እንታይ እዩ፧
ሓደ ሰብ ብጸቕጢ ስድርኡን ብዘይ ፍቓዱን እንተ ተመርዕዩ ግዱድ መርዓ ይበሃል። ብዘይ ድልየቱ ኣብ ሓዳር ክጸንሕ እንተድኣ ተገዲዱ፡ ግዱድ መርዓ ይበሃል። ኩሎም ሰባት ኣብ ሓዳር ክጸንሑ ድዮም ወይስ ክፈላለዩ ንኽውስኑ ምርጫ ኣለዎም። ኣብ ስዊዘርላንድ ግዱድ መርዓን ግዱድ ሓዳርን ክልኩል እዩ። ፖሊስ ኣብ ስዊዘርላንድ ብዛዕባ ግዱድ መርዓ እንተፈሊጦም፡ ስጉምቲ ክወስዱ ኣለዎም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ፖሊስ ብኡንብኡ ናይ ክሲ መስርሕ የበግስ። ዝምልከቶም ደቂ ኣንስትዮን፡ ደቂ ተባዕትዮን መንእሰያትን ኣብ ስዊዘርላንድ ሓዳሮም ከም ዘይሕጋዊ/ዘይቅቡል ክፍለጠሎም ዕድል ኣለዎም።
ኣብነታት ናይ ምግዳድ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ ብምፍርራሕ ምግዳድ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ዓመጽን፡ ኣካላውን ዝኾነ ዓይነት ዓመጽን።