ዘቤታዊ ዓመጽ እንታይ እዩ፧
ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ወይ ኣብ ውሽጢ ዝምድና ዝፍጸም ዓመጽ እዩ፥ እዚ ማለት፡ ኣብ መንጎ ሰብ ቃል ኪዳን ወይ መጻምዲ ዝኾኑ ወይ ዝነበሩ፡ ብሓባር ይነብሩን ኣይነብሩን ብዘየገድስ። ኣብ መንጎ ወለድን ቆልዑን ወይ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝፍጸም ዓመጽ ውን ዘቤታዊ ዓመጽ እዩ።
ዘቤታዊ ዓመጽ ስነ-ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጸገማት ከስዕብ ይኽእል። ከምኡውን ዘቤታዊ ዓመጽ ንጥዑይን ማሕበራውን ምዕባለ ቆልዑ እውን ኣብ ሓደጋ የእቱ። እዚ ነቶም ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝዕዘቡ ቆልዑ ውን ይምልከት።