ስቶኪንግ (Stalking) እንታይ እዩ?
ስቶኪንግ (Stalking) ማለት ንሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ምዕዛብ፡ ምክትታል፡ ክትረኽቦ ምፍታን፡ ምስዓብን ምርባሽን ማለት እዩ። ስቶኪንግ ብሓደ ወገን (ብሓደ ሰብ) ዝትግበር ኮይኑ ንነዊሕ እዋን ዝካየድ እዩ። እዚ ድማ ኣንጻር ድሌት ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ ስቶኪንግ (Stalking) ዝግበር ዘሎ ሰብ እዩ ዝፍጸም። እዚ ዓይነት ዓመጽ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዝቐርቡኻ ሰባት ዝፍጸም ኮይኑ፡ ግን ከኣ ካብ ተፈላልዮም ዝነብሩ ሰባት (መጻምዲ ዝነበሩ) እውን ይፍጸም። ስቶኪንግ ካብ ዘይትፈልጦም ሰባት እውን ክመጽእ ይኽእል እዩ።
ኣብነታት፥ ብብዝሒ ናይ ጽሑፍ መልእኽታት፡ ኢመይላትን ካልእ መልእኽትታትን ምልኣኽ፡ ብዙሕ ተሌፎን ምድዋል/ተሌፎን ንነዊሕ ክትድውል ምግዳፍ (ናይ ቴሌፎን ራዕዲ)፡ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ገዛ ምጽንጻን፡ ዘይተደልየ ህያባት ምሃብ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ሰብ ሕቶታት ምሕታት።
ስቶኪንግ (Stalking) ንኣካላውን ስነ-እምሮኣውን ጥዕና ናይቲ ግዳይ ብኸቢድ ክጸልዎ ይኽእል።