ጾታዊ ዓመጽ

ጾታዊ ዓመጽ ሓደ ዓይነት ዘቤታዊ ዓመጽ እዩ። ጾታዊ ዓመጽ ኣብ መጻምድን ስድራቤትን እውን የጋጥም እዩ። ክልኩል እዩ። ናብ ፖሊስ ክኽሰስ ይኽእል እዩ። ግዳይ ዝኾነት ሰበይቲ ወይ ጓል ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ዓመጽ ክትነግራ ትኽእል። ግዳይ ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ ንሓደ ወዲ ተባዕታይ ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ዓመጽ ክነግሮ ይኽእል። ኣብ መብዛሕትኦም ጉዳያት ናይ ጾታዊ ዓመጽ፡ ፖሊስ መስርሕ ናይ ክሲ ክኸፍት ኣለዎ። ዋላ ናብ ፖሊስ ክኸስስ ዘይደሊ ሰብ፡ ድሕሪ እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ሕክምናዊ መርመራ ክገብር ይግባእ።

ሕክምናዊ ሓገዝ

ካንቶናዊ ሆስፒታል ግላሩስ ምስጢራዊ ሕክምናታት ይገብር። ድሕሪ ጾታዊ ዓመጽ፡ መርትዖታት ብፍሉይ መንገዲ ክዕቀቡ ይኽእሉ። እቲ/እታ ሓኪም ኩሉ ብሚስጢር ክሕዞ/ክትሕዞ ይግደድ/ትገዳድ እዩ/እያ፤ ብዘይ ፍቓድ ናይቲ ዝምልከቶ ሰብ ንዝኾነ ሰብ ኣይሕብርን እዩ/ኣይትሕብርን እያ። እቲ/እታ ሓኪም ምስ ኣገልግሎታት ደገፍ ግዳያት ከራኽብ/ክተራኽብ ይኽእል/ኽእል እዩ/እያ።

  • ካንቶናዊ ሆስፒታል ግላሩስ፡ 055 646 33 33
  • ኣምቡላንስ፡ ቴለፎን 144

ኣብ መንጎ እቲ ዓመጽን ሕክምናዊ መርመራን

  • ሻወር ዘይምውሳድ ወይ ዘይምሕጻብ - ኣእዳው ከይተረፈ
  • እንተተኻኢሉ ናብ ሽቓቕ ዘይምኻድ
  • ክዳውንቲ ዘይምሕጻብ፡ ነቲ ክዳውንቲ ናብ ሕክምናዊ መርመራ ሒዝካዮ ምምጻእ

ክሲ ኣብ ፖሊስ

ፖሊስ ንጾታዊ ዓመጽ ኣብ ዝምልከት ክስታት ተመኩሮ ኣለዎም። እቲ ቃለ-መሕትት ምስቲ ከሳሲ ሓደ ዓይነት ጾታ ብዘለዎ ሰብ እዩ ዝካየድ። እቲ ክሲ ኣብ መደበር ፖሊስ ክቐርብ ይኽእል። ትኣምኖ ሰብ ወይ በዓል ሞያ ሰራሕተኛ ትካል ደገፍቲ ግዳያት ምሳኻ ሒዝካ ክትከይድ ይክኣል እዩ።

ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ ተሌፎን 117 ብምድዋል ንፖሊስ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

  • ንፖሊስ ናይ ካንቶን ግላሩስ በዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ፥ ተሌፎን 055 645 66 66