ቆልዑን መንእሰያትን

ካብ ወለዶም (ሕጋውያን ኣለይቶም) ወይ ኣሕዋቶም ዓመጽ ዘጋጥሞም ቆልዑን መንእሰያትን ሓገዝ የድልዮም። ኣብ ዝምድና ወለዶም ዓመጽ እንተ ርእዮም ውን ሓገዝ የድልዮም እዩ።

ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ቆልዑን መንእሰያትን ሳዕቤን ኣለዎ

ኣብ ዝምድና ውለዶም ዓመጽ ምስ ዝዝውተር፡ ዋላ እቲ ዓመጽ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊኦም ኣይፈጸም: ንቆልዑን ንመንእሰያትን ኣብ ምዕባለኦም ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ። ቀጥታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ቆልዑን መንእሰያትን ምጥቃም ክልኩል እዩ።

ገሊኦም ቆልዑ ብውሽጦም ይሳቐዩ፡ ገሊኦም ድማ ዝተፈላለዩ ሳዕቤናት የርእዩ: ከም ንኣብነት:

ጸገማት ኣብ ቤት-ትምህርቲ፡ ኣብ ዓራት ምሻን፡ ሕማም ርእሲ፡ ናይ ኣመጋግባ ወይ ናይ ድቃስ ጸገም፡ ምስ ካልኦት ቆልዑ ናይ ምቕራብ ጸገም ወይ ሓራቕ/ተባኣሳይ ምዃን። ሓገዝ ምሕታት/ምርካብ ኣገዳሲ እዩ።

እዞም ትካላት ንቆልዑን ንመንእሰያትን ይሕግዙ

ዝተፈላለዩ ናይ ምኽሪ ትካላት ዘቤታዊ ዓመጽ ንዘጋጠሞም ቆልዑን መንእሰያትን ይመኽሩ።

ትካል ምኽሪ ግዳያት: ዓመጽ ንዘጓነፎም ቆልዑን መንእሰያትን እውን ኣገልግሎቱ ይህብ። ምስጢራውን ካብ ክፍሊት ነጻን ኮይኑ ምስ ተርጎምቲ ውን ይክኣል እዩ።

ኣብ ግላሩስ ዝርከብ ሶነንሁገል(Sonnenhügel) ዝብሃል ትካል ምኽርን ፍወሳን መንእሰያትን ስድራቤትን: ንህጻናት ኣብ ጥዕናዊ ምዕባለኦም ይሕግዞም። ቆልዑን መንእሰያትን ኣብኡ ሓገዝ ይረኽቡ: ንኣብነት ኣብ ስድራቤታዊ ግጭታት ።

ምኽርን ተመላላሲ ናይ ደገ ስነ-ኣእምሮ ሕክምናን ኣብ ኣገልግሎት ስነ-ኣእምሮ ህጻናትን መንእሰያትን (KJPD)፥ ኣብ ጭንቀት ወይ ውጥረት ዝመልኦ ኩነታት ስድራቤት ዝሕግዝ ትካል እዩ። መንእሰያት ባዕሎም ንKJPD ክውከስዎ ይኽእሉ እዮም።

ፕሮ ዩቬንቱተ (Pro Juventute) ለይትን መዓልትን ይርከብ። ዝኾነ ስም ምጥቃስ ግዴታ ኣይኮነን። እቲ ክኢላ በዓል ሞያ ብዛዕባ እቲ ዝርርብ ንዝኾነ ሰብ ኣይነግርን እዩ። ፍታሕ ኣብ ምርካብ ጽን ኢሉ ይሰምዕን ይሕግዝን። ንፕሮ ዩቬንቱተ (Pro Juventute) ምድዋል ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ። ፕሮ ዩቨንቱተ (Pro Juventute) ብናይ ጽሑፍ መልእኽቲ (ኤስኤምኤስ): ቻት ወይ ኢመይል ውን ክርከብ ይኽእል እዩ።

  • Pro Juventute: www.147.ch፥ 24 ሰዓት/7 መዓልቲ ኣብ ሰሙን ምስጢራውን ካብ ክፍሊት ነጻን ዝኾነ ኣገልግሎት ምኽሪ ይህብ: ብቑጽሪ ተሌፎን 147: ቻት ብ147.ch: ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ (ኤስኤምኤስ) ናብ ቁጽሪ 147: ወይ ኢመይል ናብ beratung@147.ch

ቈልዑን መንእሰያትን እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧

ኣብ ገዛ ዓመጽ ዘጋጥሞም ቆልዑን መንእሰያትን ካብ ስድራቤት ወጻኢ ምስ ሰብ ክዘራረቡ ይግባእ። ንኣብነት፡ መምህራን፡ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ፡ ወለዲ ናይ መሓዙቶም ወይ ጎረባብቲ። ቆልዑን መንእሰያትን፡ ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ትካላት እውን ብቐጥታ ክውከስዎም ይኽእሉ እዮም።