ሓገዝን ምኽርን

ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ሓገዝ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ! ዝተፈላለዩ ትካላት ሓበሬታ፡ ምኽርን ደገፍን ይህቡ። እቲ ኣገልግሎት ብንቡር ምስጢራዊ ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ብነጻን ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ምስ ተርጎምትን እዩ። እዞም ዝስዕቡ ትካላት ይሕግዙ እዮም።

ኣብ ህጹጽ ኩነታት

  • ፖሊስ፥ ቁጽሪ ተሌፎን 117
  • ናይ ህጹጽ ቁጽሪ ተሌፎን ንህጹጽ ሕክምናዊ ኩነታት፥ ተሌፎን144
  • 24 ሰዓት/7 መዓልቲ ኣብ ሰሙን ዝሰርሕ ኣብ ካንቶናዊ ሆስፒታል ግላሩስ ዝርከብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና: መጉዳእቲ ምስ ዘጓንፍ ይሕግዝ፥ ቁጽሪ ተሌፎን 055 646 33 33

ሃገራዊ ቁጽሪ ሓገዝ ግዳያት 142

ካብ 1 ግንቦት 2026 ጀሚሩ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ: ንግዳያት ዓመጽ ዝሕግዝ ማእከል ደገፍ ግዳያት (Opferhilfe) ብቁጽሪ 142 ክርከብ ይኽእል።

  • ቀረብ፥ ኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ንዘጋጠሞም ሰባትን ንቤተሰቦምን ዝወሃብ ብነጻ፡ ምስጢራውነቱ ዝሓለወን ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓት ዝርከብን ምኽሪ የጠቓልል።
  • ኣገልግሎት፥ ዝሰልጠኑ ምኽሪ ወሃብቲ ሰራሕተኛታት ነቶም ዝተጎድኡ ይድግፉን ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት (ንኣብነት ቤት-ጽሕፈት ምኽሪ ግዳያት ናይ ካንቶን) የራኽቡዎም።
  • መተሓሳሰቢ፥ ቁጽሪ 142 ናይ ህጹጽ ሓገዝ ቁጽሪ ኣይኮነን። ኣብ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ናብ ፖሊስ (117) ወይ ኣምቡላንስ (144) ምድዋል ይግባእ።

ምኽሪ ንኹሎም ዓመጽ ዘጓነፎም ሰባት

ትካል ምኽሪ ግዳያት: ንግዳያት ዓመጽ፡ ኣዝማዶምን ናይ ቀረባ ሰባቶምን፡ ዕድሚኦምን ጾትኦምን ብዘየገድስ ኣገልግሎቱ የበርክት። ምስጢራውን ካብ ክፍሊት ነጻን ኮይኑ ምስ ተርጎምትን ውን ይክኣል እዩ።

ትካላት ምኽሪ ግዳያት ኣብ ስድራቤት ዓመጽ ንዘጋጥሞም ሰባት ይመኽሩን ይሕብሩን። ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከባ ኩለን ካንቶናት ትካል ምኽሪ ግዳያት ክህልወን ይግደዳ። ዋላ ነበርቲ ካንቶን ግላሩስ ኩኑ፡ ንዝኾነ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ትካል ምኽሪ ግዳያት ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ሓገዝ ብነጻ እዩ። ዝቕጽሉ ስጉምትታት ምስ ሞያውያን ክኢላታት ብሓባር ክውጠኑ ይኽእሉ። ሰራሕተኛታት ትካላት ምኽሪ ግዳያት ዝሰምዕዎ ብሚስጢር ክዕቅብዎ ይግደዱ። እዚ ማለት፡ ብዛዕባ እቲ ዝተካየደ ዝርርባት ንዝኾነ ሰብ ክሕብሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ ማለት እዩ። ፖሊስ ውን ከይተረፈ።

ንሓገዝ ዝተዘርገሐት ኢድ (die Dargebotene Hand) ኣብ ስዊዘርላንድ ንስምዒታዊ ቀዳማይ ረድኤት ኣብ ዘድልየካ እዋን ክትወከሶ ትኽእል ትካል ኣገልግሎት እዩ። ብተሌፎን፡ ብቻት ወይ ብኢመይል ዝካየድ፡ ቀንዲ ንዓበይቲ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ጽቡቕ ብዝሰልጠኑ ወለንተኛታት ዝውሃብ ኣገልግሎት እዩ። ምስጢራውን ብዘይ ክፍሊትን እዩ።

  • Dargebotene Hand: 24 ሰዓት/7 መዓልቲ ኣብ ሰሙን ምኽሪ ብተሌፎን ወይ ብቻት: ቁጽሪ ተሌፎን 143

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ humanrights.ch ክሕግዙኹም ዝኽእሉ ተወሳኺ ኣድራሻታት ክትረኽቡ ትኸእሉ፥

ቆልዑን መንእሰያትን

ኣጸጋሚ ስድራቤታዊ ኩነታት ዘለዎም ቆልዑን መንእሰያትን ክዛረቡ ምስ ዝደልዩ ለይትን መዓልትን ንፕሮ ዪቨንቱተ (Pro Juventute) ብተሌፎን፡ ብቻት፡ ብጽሑፍ መልእኽቲ ወይ ብኢመይል ክውከስዎ ይኽእሉ።

  • Pro Juventute: ምስጢራውን ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነን ምኽሪ 24 ሰዓት/7 መዓልቲ ኣብ ሰሙን
  • ቁጽሪ ተሌፎን 147: www.147.ch (ቻት፥ ኣብዚ ቆልዑን መንእሰያትን ምስ ኣማኸርቲ ብቻት ክዕልሉ ይኽእሉ)
  • ኢመይል ናብ beratung@147.ch

ትካል ምኽሪ ግዳያት: ንግዳያት ዓመጽ፡ ኣዝማዶምን ናይ ቀረባ ሰባቶምን፡ ዕድሚኦምን ጾትኦምን ብዘየገድስ ኣገልግሎቱ የበርክት። ምስጢራውን ካብ ክፍሊት ነጻን ኮይኑ ምስ ተርጎምቲ ውን ይክኣል እዩ።

ኣገልግሎት ምኽሪ መንእሰያትን ስድራቤትን (Jugend- und Familienberatung) ንቆልዑ፡ መንእሰያትን ወለድን ይምልከት። ውልቃዊ፡ ካብ ክፍሊት ነጻን ወለንታውን እዩ።

ሕክምናዊ ሓገዝ

ካንቶናዊ ሆስፒታል ግላሩስ ብሰንኪ ኣካላዊ ዓመጽ ዝመጽእ መጉዳእቲ ክምርምርን ክሕክምን ይኽእል። ዋላ’ውን ብቕልጡፍ ናብ ፖሊስ ገበናዊ ጥርዓን ከተቕርቡ እንተዘይደሊኹም፡ ብሰንኪ ጾታዊ ዓመጽ ዝመጽእ መጉዳእቲ ኣብ ፋይል ናይቲ ሕሙም ክስነድ ይኽእል እዩ። ዋላ ከቢድ እንተኾነ፡ ዓመጻዊ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠመኩም ንገሩ። እቲ ሕክምናዊ መርመራ ምስጢራዊ እዩ፡ ሓኻይም ድማ ኩሉ ብምስጢር ክዕቅብዎ ይግደዱ እዮም። እዚ ማለት ፡እቲ ዝተጎድአ ሰብ ምስ ዝደሊ ጥራይ እዩ ፖሊስ ዝሕበር። ኣብ ካልእ ቦታ ዝሕከም ሰብ፡ ነቲ/ነታ ሓኪም ኣሰር ዓመጽ ክስንድ/ክትሰንድ ክሓትት ይግባእ።

  • ካንቶናዊ ሆስፒታል ግላሩስ: ተሌፎን 055 646 33 33

ናይ ስድራቤት ሓኪም ክምርምረኩምን ዝኾነ መጉዳእቲ ወይ ኣካላዊ ጸገማት ክሕክመኩልምን እዩ።

  • ህጹጽ ኣገልግሎት ስድራቤታዊ ሓኪም ሰሜን ግላሩስ: ተሌፎን 0844 44 66 33
  • ህጹጽ ኣገልግሎት ስድራቤታዊ ሓኪም ግላሩስ: ተሌፎን 0844 44 66 44
  • ህጹጽ ኣገልግሎት ስድራቤታዊ ሓኪም ደቡብ ግላሩስ: ተሌፎን 0844 44 66 55

ምኽሪ ንዓመጽ ዘዘውትሩ ሰባት

ኣገልግሎት ምኽሪ ዓመጽ (Gewaltberatung) ኣብ ኩሉ ዕድመን ጾታን ዓመጽ ንዝፈጸሙ ሰባት ይምዕድ። ንናይ ገዛእ ርእስኻ ተግባራት ሓላፍነት ክትወስድ፡ ክትርድኦን ክትቅይሮን ትምሃር። ምስጢራውን ብዘይ ክፍሊትን እዩ። ምስ ተርጎምቲ ውን ይክኣል እዩ።