መሰል መንበሪ

ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ውልቃዊ ምኽሪ ክሓቱ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ትካል ምኽሪ ግዳያት ኬድካ ምዝርራብ: ምሕዳግ መሰል መንበሪ ኣየስዕብን እዩ። እቲ ዝካየድ ዝርርብ ምስጢራዊ እዩ። ትካል ደገፍቲ ግዳያት ንዝኾነ ሰብ ኣይሕብርን እዩ።

መሰል መንበሪ ኣብ እዋን ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ ዘጋጥም ምፍልላይ

ብምኽንያት ሓዳር ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብር ሓደ ሰብ፡ ዘቤታዊ ዓመጽ እንተ ኣጋጢምዎ፡ ከከም ኩነታቱ ድሕሪ ምፍልላይ እውን እብ ስዊዘርላንድ ምንባር ክቕጽል ይኽእል እዩ። ኩሉ ኩነታት ዝተፈላለየ እዩ። ስለዚ ምኽሪ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ።

ትካል ምኽሪ ግዳያት ክሕግዝ ይኽእል እዩ፥ ሞያዊ ክኢላ ነቲ ህሉው ኩነታት ድሕሪ ምግላጽ: ነቲ ዝምልከቶ ሰብ ኣብ ዝቕጽል ስጉምትታቱ ይሕግዞ። ምስ ካልኦት ናይ ምኽሪ ትካላት ከራኽብ ይኽእል። እቲ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ካብ ክፍሊት ነጻን ምስጢራዊን እዩ። ዝትርጉምልኩም ምስ ትደልዩ ይክኣል እዩ።

ዓመጽ ምስናድ

ዓመጽ ከም ዝተፈጸመ መርትዖ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፥ ስእሊ ናይ መጉዳእቲ፡ ስክሪን ሾት ናይ ምፍርራሓት ወይ ጸርፍታት ኣብ ዋትስኣፕ: ፌስቡክ: ወዘተ። እቲ መርትዖታት ኣብ ውሑስ ቦታ ክቕመጥ ይግባእ። ንኣብነት ምስ መሓዛ ወይ ኣብ ስራሕ።

ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ገለ ሰባት ውን ብዛዕባ እቲ ዓመጽ ክፈልጡ ጽቡቕ እዩ። ንኣብነት ጎረቤት ወይ መሳርሕቲ።